ተጠቃምነት ሓይሊ ዝህብ መድሃኒትን ምቊጽጻሩን
ዋዳ (WADA) ብተበግሶ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ IOC ኣብ ሕዳር 1999 ኣብ ስዊዘርላንዳዊት ከተማ ሉዛን ኣዋጅ ሉዛን {Declaration of Loussane} ብዝብል ስያሜ ተመስሪቱ። ካብ 2002 ንደሓር ድማ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈቱ ኣብ ሞንትርያል(ካናዳ) ብምግባር ተጠቃምነት ሓይሊ ዝህቡ ውጉዛት መድሃኒታት(ባእታታት) ስፖርት ናይ ምቁጽጻር ንጥፈታቱ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ኣህጉራዊ ኣብያተ ጽሕፈት ዋዳ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤስያ፡ ኦሺያንያን ላቲን ኣሜሪካን ቆይመን ኣብ ምንጣፍ ይርከባ። ዋዳ (Wada) ፍርቂ ባጀቱ ካብ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ዝረኽቦ ኮይኑ፡ ኣቲ ዝተረፈ ከኣ ካብ ኣባል ሃገራት ብዝዋጻእ ዓመታዊ ክፍሊትን ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላትን መንግስታትን ይሽፈን።
ሕጋጋት ዋዳ ኣብ 2003 ልዕሊ 200 ዝኾና ሃገራት ዓለም ብ 5 መጋቢት ናይቲ ዓመት ንዝቐረበለን ዝርዝራዊ ሕግታት፡ ፖሊሲታትን መምርሒታትን ርዒመንን ብኡኡ ተቐይደንን ክሰርሓሉ ብምትእምማን ብኣዋጅ ኮፐንሃገን (Copenhagen Declaration on Anti-Doping in Sport) ሓባራዊ ምርድዳእ ገይረን ብምኽታም ክሳብ’ዚ እዋን ይሰርሓሉ ኣለዋ። እዚ ዝጸደቐ ውዕል ድማ ቅድሚ ውድድራት ኦሊምፒክስ ኣቴንስ 2004 ምጅማሩ ተፈጻምነቱ ኣብ ግብሪ ውዒሉ። ዋዳ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከባ 6 ላቦራቶሪታት ሓዊስካ ብደረጃ ዓለም 33 ሕጋዊ ሰብነት ዘለወን ላቦራቶሪታት (Accredited Laboratories) ይውንን።
ዝጸደቐ ስምምዕ ዋዳ ኣብ ሕዳር 2007 ብልዕሊ 600 ትካላት ስፖርት፡ ዓለምለኻውያን ፌደረሽናት ስፖርት፡ ሃገራውያን ኮሚቴታት ጸረ-ወሃብቲ ሓይሊ፡ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክስን ኮሜቴ ፓራ-ኦሊምፒክስን እውን ተራዒሙ’ዩ። ሃገርና ኤርትራ ድማ ነዚ ሕጋጋት ዋዳ ኣብ 2009 ተቐቢላ ብምኽታም ንንጥፈታት ሓይሊ ዝህቡ መድሃኒታት ዝከታተል ሃገራዎ ኮሚቴ ብምቛም ብንጥፈት ትሰርሓሉ ኣላ። ዋዳ ነቲ ዘጽደቖ ሕጋጋትን መምርሒታትን ኣብ 2013 ተወሳኺ ምምሕያሻት ብምግባር ኣብዚ ጎዳኢ ተግባራት ንዝተሳተፉ ኣካላት ዝወሃብ ዝነበረ መቕጻዕቲ ብዕጽፊ ከምዝውስኽ ገይሩዎ እዩ።
ዞባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ጸረ-ወሃብቲ ሓይሊ (RADO- Regional Anti-Doping Organizations)
ካብ ሓፈሻዊ ዕላማታት መደብ ምምዕባል ንጥፈታት ዋዳ እኹል መቆጻጸሪ ንዘይብለን ሃገራትን ትካላትን ኣብ ጸረ ወሃብቲ ሓይሊ ዝገብርኦ ምንቅስቓስ ሓገዝ ምሃብ’ዩ። ንብዙሓት ሃገራትን መሻርኽትን ኣብ ሓደ ብምምጻእ ኣብ ዘለዋኦ ጂኣግራፍያዊ ኣቀማምጣ ብዞባዊ ትካል ጠርኒፉ ከምዝውደባ’ዩ ዝገብር። በዚ መሰረት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዞባውያን ትካላት(Rado) ወዲቡ በብኣህጉር ነቲ ናይ ምቁጽጻር ንጥፈታት ይሰርሓሉ። ኤርትራ ኣብቲ 10 ሃገራት ዝሓቁፍ ናይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባ 5 እትጥርነፍ ኮይና ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ናይቲ ትካል ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ይርከብ።
ዓለምለኻዊ ውዕል ዩኔስኮ (UNESCO)
ብዙሓት ሃገራት በዚ ሰነድ ዘይመንግስታዊ ትካል ዋዳ ክቕየዳ ኣይክእላን እየን። ነዚ ብተናጸል ኣብ ሕጊ ንኸተግብርኦ ብጥቅምቲ 2005 ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ዋዕላ UNESCO ብ191 መንግስታት ብምሉእ ድምጺ ዓለምለኻዊ ውዕል (Global International Treaty) ብምጽዳቕ ካብ ለካቲት 2007 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ኪውዕል ጀሚሩ። ክሳብ ሰነ 2013 ከኣ 174 ሃገራት ነቲ ውዕል ኣጽዲቖንኦ ይርከባ።
እዚ ውዕል UNESCO ንሃገራት ብግብርን ሕግን ዝቕይድ ኮይኑ ዝሕንጽጽኦ ፖሊሲ ምስ ዓለምለኻዊ ጸረ-ወሃቢ ሓይሊ ጉድኒ-ጐድኒ ክኸይድ ከምዘለዎ ዝእዝዝ ኢዩ። እዚ ሰነድ ሃገራት ንጸረ-ሓይሊ ወሃብቲ ክቃለሳ መብጽዓ ዝኣተዋሉ፡ ዘይሕጋዊ ወሃብቲ ሓይሊ መደሃኒታት ዝኽልከላሉ፣ ነዚ ዝምልከት ሕጋጋት ዝነድፋሉ ከምኡ`ውን ትምህርትን ምርምርን ዘካየደሉ ካልእን ዝጠቅስ ኢዩ።
ዋዳ
ኣብ 2015 ዝወጸ ኮድ ዋዳ (WADA CODE 2015) ኣርባዕተ ክፋላት ዘለዎ 25 ዓናቅጽ ዝሓቖፈ ኮይኑ ከምዚ ዝስዕባ ተዘርዚሩ ኣሎ።
ክፍሊ ሓደ፡ ምቊጽጻር ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት
ክፋሊ ክልተ፡ ትምህርትን ምርምርን
ክፍሊ ሰለስተ፡ ግደን ሓላፍነትን
ክፍሊ ኣርባዕተ፡ ተቐባልነት፡ ተማእዛዝነት፡ ምምሕያሽ ሕግን ትርጉምን
ዓለማዊ ዋዕላ፡ ካብ 4-7 ሕዳር 2019 ብደረጃ ዓለም ብዋዳ ተዳልዩ ኣብ ፖላንድ ተኻይዱ።
ዋዕላ ራዶ 12 -13 ሰነ 2019 ብደረጃ ዞባ-5 ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ።
ዕላማ፡- ናይዚ ክልቲኡ ዝተኻየደ ኣኼባታት (ዋዕላ) ቅድሚ ኦሊምፒክስ 2020 ክትግበሩ ዘለዎም መደባት ንምጽፋፍ’ዩ። ብዝያዳ ድማ ብፍሉይ ንዋዳ ዘጋጥምዎ ጸገማት ኩነታት ሩስያ ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ ነፍስ ወከፍ ሃገር ብደረጃ ዋዳ፡ ራዶ፡ ኢናደ ከተተግብሮም ዘለዋ መደባት እንተ ዘይተግበረት ክሳብ ካብ ኣባልነት ናይ ምስራዝ ተኽእሎ ከምዘሎ፡ እታ ሃገር እንተ ተሰሪዛ ድማ ኣብ ዝኾነ ጸወታ ብደረጃ ዓለም፡ ኣህጉር፡ ዞባ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኦሊምፒክስ ንኻይትሳተፍ ዝእግዱ ኢዮም።
ውጥን ትግባረ ኣብ ምድላው እናተሰላሰሉ ከለዉ ድማ 2020 ይኹን ካልእ መደባት ንኸይትግበር ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ውድድር ኦሊምፒክስ`ውን 2021 ተሳጋጊሩ።
ዋዳን ራዶን
ነቲ ብዙሕ ወጺኡ ዝነበረ መደባት ኣብ ግምት ዘእተወ ብቐዳምነት ክትግበሩ ዘለዎም መደባት ስሪዑ። ሓደ ዋቢናር ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ኩሉ መደባት ብደረጃ ዋዳ ይኹን ራዶ ብማንዛ {tele-conference} ይካየድ ኣሎ። ገለ ካባቶም ዛጊት ተሰሪሖም ዘለዉ መደባት፦ ሕጋጋት ጸረወሃብቲ ሓይሊ መድሃኒት፡ ተማእዛዝነት ንዓለማዊ ኮድ፡ ዓመታዊ ክፍሊት (ኤርትራ ኣብ ጽቡቕ ደረጀ ክትስራዕ በቒዓ)፡ ትምህርትን መጽናዕትን፡ ሽርክነታዊ መደባት፡ ፕሮጀክትታት ኦሊምፒክ ሶሊዳሪቲ፡ መርመራ ሽንትን ደምን ክጥቀሱ ይኽእሉ።