History
ምስ ዓበይቲ ክለባት ሃገርና ምስ ዝተጻወተ ብርሃነ ተወልደመድህን - ባራነ ኢና ከነላልየኩም ንሎሚ። ብርሃነ ተወልደመድህን (ባራነ) ካብ ኣቦኡ ኣቶ ተ/መድህን ገ/መድህንን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ውዳሰ ወልደኣብን ብ1965 ዓ/ም ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ባራነ ከም ኩሎም ተጻወትቲ ኩ/ እግሪ ሃገርና ኣብ ከባቢ ገዛውቱ ብኩዕሶ ጨርቂ እናተጻወተ እዩ ኣሃዱ ኢሉ ሞያ ስፖርት ጀሚሩዎ። ብዝነበሮ ክቱር ስምዒት ኩ/እግርን በብግዜኡ ዝደለቦ ልዑል ውልቃዊ ክእለትን ኣብ ግዜ ኩትትናኡ ናብታ ኣብ ቀዳማይ ድቪዥን ትነጥፍ ዝነበረት ክለብ ኣስመራ ቢራ (ሜሎቲ) ብ1985 ጸወታኡ ፈሊሙ። ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምጽዋት ካብታ ጋንታ ብምውጻእ ኣብ 1986 ምስ ክለብ ፋብሪካ ዓለባ ኣስመራ (ባራቶሎ) ኣብ ቀዳማይ ዲቪዥን ተጸንቢሩ። ብድሕሪኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተሞኩሮን ብቕዓትን ብምውሳኽ ብ1987 ነታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተጻወተላ ሓንቲ ካብተን ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ዓቢ ስም ዘጠራያ ክለባት ሃገርና ዝኾነት ፋብሪካ ጫማ ኤርትራ (ቺፖሊኒ) ተጸንቢሩ ክሳብ ጫማኡ ዝሰቅል ንኣስታት 10 ዓመታት ቀጺሉ። ምስ ቺፖሊኒ ናይ ዳሕራይ ህንጻ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ድማ፡ ምስታ ጋንታ ብሙዃን ናይ ሻምፕዮን ክለባት ኤርትራን ዘዋሪት ዋንጫን ዕውት ብሙዃን ኣብ ሻምፕዮን ክለባት መላእ ኢትዮጵያ ተኻፊሉ ዝተፈላለየ ዓወታት ዝተጎናጸፈ ዕውት ተጻዋታይ ከምዝነበረ ኣብ ክብሪ መዝገብ ታሪኹ ተሰኒዱ ይርከብ። ኣብ ውልቃዊ ናይ ኩዕሶ ክእለቱ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተሰሊፉ ዘድምዕ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምክልኻልን ምክፍፋልን ብብቕዓት ክጻወት ዝኽእልን ብድስፕሊን ዝልለን ጥንቁቕን ሓርበኛን ተጻዋታይ ከምዝነበረ ብቐረባ ዝፈልጥዎ መጻውቱን ኣሰልጠንቱን ይገልጹ።
ብርሃነ ተወለደመድህን (ባራነ) ኣብ 1999 ካብ ጸወታ ኩ/ እግሪ ጠቕሊሉ ምስተፋነወ ብ2000 ዓ.ም ኣብ መበል 12 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ንሳዋ ወሪዱ። ወታሃደራዊ ታዕሊም ድሕሪ ምውሳዱ ናብ ክ/ሰራዊት 16 ተመዲቡ፡ ብዝነበሮ ሓያል ስምዒትን ወንን ናይ ስፖርት ብፍላይ በቲ ኣዝዩ ዘፍቅሮን ክፍለዮ ዘይደልን ጸወታ ኩ/እግሪ ከም ኣሰልጣኒ ብምዃን ናብ ሞያ ኣሰልጣንነት ብምስግጋር ስርሑ ቀጺሉ። ካብኡ ሓሊፉ ነታ ብግንባር ደረጃ ዝቖመት ጋንታ ብድሆ (እዚ ማእከል) ንከሰልጥን ዕድል ስለዝተዋሃቦ ጋንትኡ መሪሑ ብደረጃ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዝዳሎ ውድድራት ሓያሎ ዓወታት ክጐናጸፍ ዝበቅዐ እዩ።
ባራነ ሞያኡ ንምዕባይ ብዝወሰዶ ዝተፈላለየ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠናታት፡ ካብ መባእታ ክሳብ ላዕላዋይ ደረጃ ድሕሪ ምቕሳም ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝወሃብ ሊቸንሳ ( CAF license B ) ብምሓዝ ሞይኡ ብዝለዓለ ደረጃ ኣበሪኹ ብተወሳኺ ብዘለዎ ክቱር ፍቕሪ ስፖርት ናይ ዳንነት ስልጠና ክወስድ በቒዑ እዩ። ባራነ ካብ 2012 - 2014 ምስ ክለብ ኩ/እግሪ ገዛ-ባንዳ መዝነት ተሓጋጋዚ ዓላሚ ብምሓዝ ጋንትኡ ሻምፕዮን ዞባ ማእከል 2013 - 2014 ክትከውን ዓቢ እጃም'ዩ ኣበርኪቱ። ብተወሳኺ ኣብ 2015/16 ኣብ ክለብ ደንደን - ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም ሓላፊ ቴክኒክ ብምዃን ክልተ ዓመት ሰሪሑን ድማ ምስታ ክለብ ብምዃን ናይ ሻምፕዮን ኤርትራ ጽዋዕ ከምትዓትር ጌርዋ'ዩ። ካብ 2016 ንነጆ ድማ ንክለብ ኩ/እግሪ ደ/ኣንስትዮ ብመዝነት ዓላሚ ኣካላዊ ብቕዓትን ተጻወትቲ ደ/ኣንስትዮ ቴክኒካውን ኣካላውን ብቕዓትን ንኽዓቢ ከይተሓለለን ከይሰልከየን ዝሰረሐን ክለብ ደ/ኣንስትዮ ደንደን ድማ ጸብለል ክትብል ዝገበረን ህርኩቱን ዉፉይን ምእዙዝን ንሞያኡ ብዝለዓለ ዘኽብርን ስፖርተኛ ኔሩ። ብተወሳኺ ባራነ ጎኑ ጎኑ ምስ ናይ ክለባት ስርሑ፡ ኣብ ምም/ ከባቢ ጎዳይፍ ብዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ ስፖርት ተበጊሱ ህጻናት ተጻወትቲ ንምምልማል ኣብ ናይ ግራስሩት ስልጠናታት ተኻፊሉ እዩ።
ባራነ ምስ እዝግሃርያ ወልዳይ ኣብ 1998 ቃል-ኪዳን ብምእሳር ክልተ ቈልዑ ወሊዱ። እንተኾነ ብ18/01/2021 ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ ንጽባሒቱ ዕለት 19/01/2021 ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።
ዳኒኤል መንግስቱ (ገደ)