+291-1-120933
Home
About
the organization
commissioner
president
Our constitution
Our Members
News & Articles
Anti Dopping
Athletes
Rising Star
History
federations
football
basketball
athletics
badmenton
chess
cycling
Ground-Tennis
Motor-Race
swimming
Table-Tennis
volleyball
Gallery
Contact Us
Home
/
News & Articles
/
ቪቫ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ - ኩሉ ግዜ ዓወት የለን!
ቪቫ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ - ኩሉ ግዜ ዓወት የለን!
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ 2019 ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ክልተ ውድድራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ማለት ሴካፋ፡ ኣብ ክልቲኡ ምስ ሰለስተ ብሉጻት ተሰሪዓ ኣብ መድረኽ ዓወት ደዪባ ነይራ። ትሕቲ 20 ዓመት ክሳብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ፡ ኣብ ናይ ደረጃ ንመጋጥምታ ስዒራ ሳልሰይቲ ኮይና ነሓስ መዳልያ ተሸሊማ። ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ግጥማት 17 ጎላት ብምምዝጋብ ክሳብ ፍጻመ በጺሓ ታሪኽ ሰሪሓ። ብኣአንጋዲት ሃገር ዩጋንዳ ተሳዒራ ድማ ካልኣይቲ ኮይና ብሩር መዳልያ ተሸሊማ።
ሎሚ ዓመት ትሕቲ 23 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ክትሳተፍ ቀንያ። ምስታ ኣአንጋዲት ሃገር ማዕረ ተፈላልያ ብብሩንዲ ድማ ተሳዒራ ካብ ውድድር ወጺኣ ኣላ።
ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ክሳብዚ እዋን’ዚ ውድድራት ስፖርት ብሓፈሻ፡ ኩዕሶ እግሪ ድማ ብፍላይ ዘይከም ኣብ ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት ደው ኢሉ እዩ ጸኒሑ። ብኡ መንጽር ድማ፡ ተጻወትቲ ኣካላዊ ብቕዓቶም ኣብ ምሕያል ኣተኲሮም ክሰርሑ ኣይጸንሑን። አረ ገለ ተጻወትቲ ናይዛ ሃገራዊት ጋንታስ ቅድሚ ሒደት መዓልታት’ዮም ተጸዊዖም ምስዛ ሃገራዊት ጋንታ ከምዝጽንበሩ ተገይሩ። ኣኹል ልምምድ ከይገበሩ ድማ ሜዳ ኪወርዱ ቀንዮም።
ስለዚ ኩልና ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታናን ካልኦት ሃገራውያንን በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ስዕረት ክንጉሂ ኣይግባእን - ኩሉ ግዜ ዓወት ስለዘየለ ንተጻወትና ሞራላውን ንዋታውን ደገፋት ንግበረሎም! ንዓመታ'ውን ውድድር ሴካፋ ኣብ ዝተፈላለየ ክሊታት ዕድመ ኪካየድ ስለዝኾነ!
Home
/
News & Articles
/
ቪቫ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ - ኩሉ ግዜ ዓወት የለን!