ካባኹም ናባኹም - መን ይበልጽ?

Tefera G. Kirstos

 

 

 

ተፈራ - እቲ ኣውራ!

ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ: ንነፍሲ ወከፍና እቶም ስፖርት እንከታተል ሰባት ብሉጽ ናይ ብሉጻት ዝኾነ ተጻዋታይ ዘሎ ኰይኑ ክስማዓና ንቡር እዩ። ነቶም ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ዝረኸቡ ንጎድኒ ገዲፍና ብደረጃ ሃገርና ካብ ዝጥመቱ ንሓደ ጥራይ ክንጠቅስ እንተንሕተት ንመን ምበልና? ስለምንታይ ከ? ነቲ ናታትኩም ኣመልኪትኩም ዘዝመስለኩም እንተትረቑሑ ደስ ይብለኒ። ናብቲ ብሸነኸይ ዝጠቕሶ ክወስደኩም።

ካብ ፈለማ 1980ታት ኣትሒዘ ሓደ ካብ ተዓዘብቲ ኩዕሶ እግሪ እየ ኔረ። እታ ሽዑ ዝድግፋ ዝነበርኩ ጋንታ ኤለክትሪክ (ኤልፓ) እያ ዝነበረት። ኣይኮነንዶ ግጥም ኣብ ዝህልዋ ኣብ ግዜ ልምምድ እንከይተረፈ ኢና እንዕዘባ ዝነበርና። በቲ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ዘካይድዎ ግጥምን በቲ ኣብ ሜዳ ቺቸሮ ንእሽቶ ዘዘውትሩዎ ልምምድን ኣዚና ንፍሳህ ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓያላት ምስ ዝነበራ ጋንታታት ከም ቺፖሊኒ: ኣዱሊስ: ፖሊስ: ዋልያ ገጢማ ዓወታት ከተመዝግብ እንከላ ብሓጎስ ብሓጎስ ንሰራርሰር ነበርና። አረ ዋላ ተሳዒራ እኮ እያ ብጸወታኣ እተዕግበና ዝነበረት።

በሉ ካብቶም ከዋኽብታ ንሎሚ ከልዕለልኩም። ካብ ተጻወትቲ ጋንታ ኤልፓ ከም ሕልማዊት ጋንታ "ጸውዕ!" እንተዝበሃል ከኣ ብኸምዚ መቐመጥኩዎም፦

  1. ዳዊት ነጋሽ
  2. ኤፍሬም መንግስትኣብ
  3. ዮሃንስ ተወልደብርሃን (ሻገ)
  4. መሓሪ ፍስሃየ
  5. የማነ (ኣቸዮ)
  6. ሙሴ (ባሊላ)
  7. ተፈራ ገብረክርስቶስ
  8. ሓድሽ ኣበራ (ኮረሪ)
  9. በረኸት ዘሚካኤል
  10. ተስፋሚካኤል ዳኘው (ፋንጁዕ)
  11. ሚኪኤለ (ቡኛ)

ብዘይካ'ዚኦም ካልኦት ሓያላት ተጻወትቲ ነይሮም እዮም። ሳምሶን ኢሳቕ: መድሃኔ ወልደገብሪኤል፡ ሰለሙን ዮውሃንስ፡ እስቲፋኖስ፡ ኣብርሃ፡ ሓሰን፡ ክፍለ፡ ምስግና፡ ተኣምራት ዮሴፍ (ነጨ).. ። ንገሊኦም ምስ ግዜ ምንዋሕ ኣስማት ወለዶም ረሲዐዮም እየ - ይቕረታ። ኣብ ልዕሊ ኩላቶም ድማ ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣሎኒ።

ሕጂ ናብቲ ብወገነይ ኮኾብ ናይ ከዋኽብቲ ዝብሎ ክሓልፍ። እዚ ዝጠቕሶ ተጻዋታይ ካብታ ጋንታ ኤልፓ ወይ ካብተን ናይ ሽዑ ዝነበራ ጋንታታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ካብ ዘተራእዩ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ፡ እሞ ኣነ ኣብ ዕድመይ ዘርከብኩለን እንተላይ እዩ። "ንምንታይ?" ዝብል ከኣ ክምልሶ ክፍትን እየ። በሉ ኮኾበይ ክጽውዕ ደልየ እሞ ኮኸብኩም ጸውዑ።

እዚ ተጻዋታይ ብደረጃ ቀበሌ (ናይ ሎሚ ምምሕዳር ከባቢ) እንከይተረፈ ምስ ጋንታ ሰምበል ተጻዊቱ ክእለቱ ዘመስከረ እዩ። ምስ ኤልፓ ከምኡ እውን ምስ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ተጻዊቱ ቅያ ዝሰርሐ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ሃገርና ብኢትዮጵያ ትግዛእ ስለ ዝነበረት ክሳብ ኣብታ ሕርይቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ስሙ ብኽብሪ ዘመዝገበ ኰይኑ ንረኽቦ። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ድማ ንጋንታ ደቀንስትዮ ብምስልጣን ስሙን ስም ሃገሩ ኤርትራን ከጸውዕ ዝበቕዐ እዩ።

መን ክብል? እቲ ስሙ ከም ክቡር በዓል ዝጽዋዕ ኮኾብ ናይ ከዋኽብቲ እምበኣር ብወገነይ ዝብሎ፡ ንመዋእል ኣብ ልቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝሰፈረ ተፈራ ገብረክርስቶስ እዩ።

ኣብ ዘለዎ ምስ ስድራኡ ብሰላምን ጥዕናን ይሃልወልና!

ስለምንታይ ተፈራ?

ንተፈራ ከም ኮኾብ ናይ ከዋኽብቲ ክጽውዖ ዝደረኸኒ በቲ ኣብ ሜዳ ዘንጸባረቖ ብቕዓትን በቲ ፍሉይ ክእለቱን እዩ።

  1. እስትንፋስ (ፊያቶ)

ተፈራ ምሉእ ይኹን ተወሳኺ ሰዓታት ተጻዊቱ እኹል እስትንፋስ ዝውንን እዩ። ኣብ ግዜ እቲ ጸወታ ድኻም ብዙሕ ኣይንበበሉን።

  1. ቁመና

ቁመቱ ምስቶም ሓለንጋያት ዝጽብጸብ እዩ። ሰብነቱ ድልዱል፡ ሓይሉ ምሉእ ከም ዝኾነ ነስተውዕለሉ።

  1. ቴክኒክ

ኣብ ኩዕሶ ምልከቱ ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ። ብፍላይ እታ ብኽልተ እግሩ ቀርቂሩ ብልዕሊ ኣንጻር ተጻዋታይ ዘሕልፋ ዝነበረ ኩዕሶ ብዙሕ ተወንሰና ነበረት። ንተጻወትቲ ኣብ ምሽካዕ ምስቶም ኣዝዮም ግኑናት ኮረሪ፡ በረኸት፡ ሚኪኤልን ሳምሶንን ይስራዕ።

  1. ፍጥነት

ካብቲ ዝገርም ክእለቱ እዩ - ፍጥነቱ። ኩዕሶ ሒዙ እንተጎዪዩ መን ከርክቦ! ኣብ ግዜ ልምምድ ምስ ኩሎም ተጻወትቲ ደቂ ጋንታኡ ተቐዳዲሙ ቀዳማይ ክወጽእ ብዙሕ ግዜ ርእየዮ። በረኸት ዘሚካኤል እዩ ኣብ ኣሰሩ ዝስራዕ!

  1. ቅላዕ

ካብቲ ኩሉ ክእለቱ ጎሊሑ ዝርአ ትሪ ቅላዑ እዩ። ቅላዕ ኣብ ዝሃርመሉ ብሓይሊ ናይቲ ቅላዑ ኮነ ብሜላኡ መዳርግቲ ኣልቦ እዩ። ንሓያሎ ሜትሮታት ርሒቑ ኰነ ቀሪቡ (ከም ሪጎለ) ዝሃርሞ ንበይኑ እዩ!

 

  1. ምጥፋእ (ክሮስ)

ካብ የማናይ ወይ ጸጋማይ ወገን ናይ ሜዳ ናብ ተጻወትቲ ደቂ ጋንታኡ ዘጣፍአን ክሮስ ዝገብረን ዝነበራ ኮዓሳሱ እምብዛ መሰጥቲ ነበራ።

  1. ሸቶ - ጎል

ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ኮይኑ ናብ ልዳት ዝለኣኸን ሓያሎ ኮዓሳሱ ሸቶ ተቖጺረናሉ እየን። ብሓይሊ ቅላዕ፡ ብሜላ፡ ብርእሲ ዘእተወን ብዙሓት ኔረን። እተን ኩርናዕ እናጣፍአ ናብ ሸቶ ዝቐየረን ኮዓሳሱ ምስ እንርኢ ከምኡ ዓይነት ክእለት ዝውንኑ ሒደት ምዃኖም ርኢና ኣድኒቕና ናብ ኣድነቕቲ ንህቦ።

  1. ምውህሃድ

ምስ መላእ ደቂ ጋንታኡ ኣብ ግዜ ልምምድ ኰነ ኣብ ጸወታ ዝነበሮ ምውህሃድ ኣዝዩ ይነኣድ። ኣብቲ ናይ ሽዑ ቲክ-ታክ ወይ ኣላ-ኣላ (ምቅብባል) ጸወታ እጃሙ ዓቢ ኔሩ።

  1. ብሓፈሻ

ተፈራ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ማለት ቁጽሪ 7፡ 8፡ 10፡ 11 ንኽጻወት ዘይጽገም እዩ። ምልከት ኩዕሶኡ፡ ቅላዑ፡ ጉያኡ፡ ምክፍፋሉ፡ ምሽካዑ፡ ሓይሉ፡ ሜላኡ፡ ቁመናኡ፡ ድልዳሌኡ፡ ብኽልተ እግሩ ምጽዋቱ፡ ብቴስታ ምጥቃሙ... ወዘተ ርኢኻ ስለቲ ክእለቱን ጻዕሩን እምበረ-መጠን ተድንቖ።

  1. ጠባይ

ምስ ኣሰልጣኒኡ ኰነ ደቂ ጋንታኡ ዝነበሮ ስኒት ንበይኑ እዩ። ሕውስን ምቕሉልን ኰይኑ እዩ ዝረአ። ምስ ቲፎዞ ወይ ደገፍቲ’ውን ዝነበሮ ፍቕርን ክብርን ዝምስገን እዩ። ዓብን ንእሽቶን: ሕሙምን ጥዑይን ዘይብል ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምት ለባም ተጻዋታይ ነይሩ።

  1. ካልእ

እዚ ዝገለጽኩዎ ካብቲ ብማዕዶን ብማዕከናት ዜናን ዝፈልጦ ተደሪኸ እምበር ብቐረባ ንኸዕልሎ ዕድል እንተ ዝነረክብ ዓብን ጽጹይን ታሪኽ ኣብ ውሽጡ ሓቚፉ ይጓዓዝ ምህላው ብሩህ ይመስለኒ። ብወገን ኣንበብቲ እውን ንብዙሕ ካብ ሓያል ጎድኒ ናይ ተፈራ ከተልዕሉ ከም እትኽእሉ ይርዳኣኒ።

  1. ተወሳኺ ዝኽሪ

ሓደ ግዜ ናይ ኢትዮጵያ ጋንታ ዝኾነት ኣዲስ ቢራ (ናይ ሎሚ ቅዱስ ጊዮርጊስ) ናብ ኤርትራ መጺኣ ምሕዝነታዊ ግጥም ተካይድ። ኣቐዲማ ንቺፖሊኒ ስዒራታ እያ። ጋንታ ኤልፓ ግዳ ንኣዲስ ቢራ ሕርሕራይ ጌራ በዲሃታ። ብፍላይ እታ ሓላውልዳት ብተፈራ ናይ ኣዲስ ቢራ ብኹርናዕ ዘጣፍኣ'ሞ በረኸት ዘሊሉ ብቴስታ ኣብ ሰኪዐት ዝጸንበራ ታሪኻዊት ሸቶ ከቶ ኣይርስዓን።

* ተፈራ ምስ የማነ (ኣቻዮ) ሓኖታት እዮም። እዚ ማለት ሰበይቲ ተፈራን ሰበይቲ የማነን ኣሕዋት እየን።

* ተፈራ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ሓዳሩ ኣብ ቶሮንቶ - ካናዳ ይነብር ኣሎ።

  1. ኣብ መወዳእታ

ተፈራ ገብረክርስቶስ ህያውን ታሪኸኛ (Living Legend) እዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ንናይ መዋእል ኣበርክቶ ኣብ ግምት ብምእታው ምሉእ ኣፍልጦ ክወሃብ ኣብ ዝጅምረሉ ብኽብሪ ከም ዝጥቀስን ዝሽለምን ኣይጠራጠረሉን። ንታሪኽ ህይወቱ እትገልጽ መጽሓፍ ተሓቲማ ክርኢ ድማ ሃረር እብል።

ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ህይወቱ ሰላም፡ ጥዕና፡ ኣሳልጦን ዓወትን እምነየሉ።

 

                                                                                                                                                                                                                                  ኢሳቕ ኣብርሃም (ካናዳ)