ሓጺር ሌላ ምስ ዮናስ ክፍለ

Yonas Kifle

 

ካልድ ሓሰን

ኣትሌት ዮናስ ክፍለ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መፋርቕ 90ታት ዝተቐልቀሉን፡ በታ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ፍቕርን ምሞያን’ቲ ዓውዲ ብዝነበሮም ግዱሳት፡ ብስም ክለብ ኣትሌቲክስ ሰቲት ቆይማ ሓያለ ስሞምን ስም ሃገሮምን ዘጸውዑ ኦሎምፒካውያን ኣትሌታት ዘፍረየት ተመልሚሉ ዝዓበየን ስሙ ኪንዮ ሃገሩ ሓሊፉ ብደረጃ ዓለም ክጽዋዕ ዝበቕዐን ሓደ ካብ ገዳይምን ናይ ፈለማ ኦሎምፒካዊያንን ኣትሌታት ሃገርና ኢዩ።

ኣትሌት ዮናስ ክፍለ ካብ 1997 ንደሓር፡ ኣብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣህጉራዊ ውድድራት ብኹሉ ዝተወዳደረሉ ርሕቀታት ማለት ናይ ትራክ፡ ጉያ-መሮር፡ ፍርቂ ማራቶንን ምሉእ ማራቶንን ውድድራት ስሙን ስም ሃገሩን ዘጸውዐ፡ ብዘመዝገቦ ዓበይቲ ዓወታት፡ ሕእደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ዓለማዊ ውድድራት ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ኦሎምፒክ ሲድኒ 2000: ኦሎምፒክ ኣቴንስ 2004 ከም’ውን ኦሎምፒክ ቤይጂን 2008 ዝተሳተፈ፡ ወትሩ ብክብሪ ዝዝከር ኣትሌት ክኸውን ኪኢሉ ኣሎ።

ኣትሌት ዮናስ ክፍለ ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ዓበይቲ ዓለማዊ ውድድራት ተሳቲፉ ዘመዝገቦ ብሉጽ ውጽኢታት፡ ብዙሕ’ኳ እንተኾነ፡ ገለ ካብቶም ጎሊሖም ዝጥቀሱ ዓወታቱ ግን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2005 ኤድመንተን (ካናዳ) ኣብ ዝተኻየደ ናይ ያፍ ዓለማዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን፡ ብውልቁ 3ይ ደረጃ ሒዙ፡ ተሸላሚ ነሓስ ሜዳልያ ዝኾነሉን፡ ንምጥቃስ ይከኣል።

ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዮናስ ክፍለ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት፡ ዓበይቲ ዓወታት ዝሓፈሰሉ ናይ ትራክን ጉያ መሮርን ውድድራት፡ ናብ ናይ ፍርቂን ምሉእን ማራቶን ውድድራት ተሰጋጊሩ ውድድሩ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ምኩር ኣትሌት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ንዓመታት ዘዋህለሎ ተመኩሮኡ ድማ ናብቶም ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ፡ ነዚ ደረጃን ክብሪን ክጎናጸፍ ኣብ ዘኽኣሎ ክለቡ ዝርከቡ ተካእቲ ኣትሌታት ኣብ ምስግጋር ይርከብ።