2009 - ዘርኢሰናይ ኣብ ዓለም ሃትሪክ ዝሰርሓላ ርሕስቲ ዓመት!!

Zeresenai Taddese

 

    

ኣትሌት ዘርኢሰናይ ታደሰ ብፍላይ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ዓለም ነጋውስ ፍርቂ ማራቶን ካብ ዝኾኑ መቸም ልዕሊ 15 ዓመት ገይሮም ኣለዉ። ዘርኢሰናይ ታደሰ ብተደጋጋሚ ሻምፕዮን ብምዃንን ብደረጃ ዓለም ዝበለጸ ሰዓት ብምምዝጋብ ሪከርድ ብምሓዝን ታሪኽ ሰሪሑ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብወገና ኣብቲ ንሃገራት ዝተሓዘለን ነጥቢ ናይ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያታት ክትጭብጥ ዝበቅዐት እያ። ዳርጋ ዓመታዊ ድማ ኣብ መድረኽ ዓወት ማለት ፖድዩም ክትድይብ ጸኒሓ ኣላ - ብዘይካ ኣብ ውሑዳት ኣጋጣሚታት።

ኤርትራ ንፈለማ ግዜኣ ብውልቀ ኣትሌታ ኣቢላ ንፈለማ ግዜኣ ብደረጃ ዓለም ተሸላሚት መዳልያ ዝኾነትሉ እዋን ኦሊምፒክስ ኣቴንስ 2004 እዩ። ዘርኢሰናይ ታደሰ ኣብ ናይ 10,000 ሜተር ሳልሳይ ተርታ ብምሓዝ ነሓስ ዝወሰደሉ እዩ። ድሕሪኡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ብደረጃ ዓለም ወናኒት ወርቂ መዳልያ ክትከውን በቒዓ - ኣትሌት ዘርኢሰናይ ታደሰ ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደብረሰን - ሃንጋሪ ንዕኡን ንሃገሩን ብደረጃ ዓለም ፈላሚት ወርቂ ኣምጺኡ። ካብ ሽዑ ንነጆ ኣኣብ ዝወፈሮ ዓይነታት ውድድር - ማለት ኣብ ትራክ፡ ኣብ ጉያ መሮር፡ ኣብ ጽርግያ ኣብ ዝተፈላለየ ርሕaቀታት ናይ ዓለምና ዝኸበረ ዓወታት ምምዝጋብ ተተሓሓዞ። ኣብ 2009 ኣብ በርሚንግሃም - ብሪጣንያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ንራብዓይ ግዜኡ ወርቂ ዝሓፈሰሉ ኣጋጣሚ እምበኣር ናይዚ ኣብነት እዩ። ዘርኢሰናይ ወናኒ ናይ ዓለም ሱፐር ሃትሪክ ፍርቂ ማራቶን!!

ዘርኢስናይ ታደሰ ኣብ 2009 ዝሰነዶ ታሪኽን ቅያን ግና እዚ ናይ በርሚንግሃም ዓወቱ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብታ ዓመት’ቲኣ ኣብ ናይ ዓለምና ሰለስተ ዝተፈላለየ ናይ ውድድር ዓይነታት ማለት ኣብ ዓማን  ዮርዳኖስ ዝተኻየደ ናይ ጭቃን ጸጸርን መሰናኽል ጉያ መሮር፣ ኣብ በርሊን -ጀርመን ኣብ ዝተገብረ ዓለማዊ ሻምፕዮና ትራክን ፊልድን ከምኡ’ውን እዚ ኣብ በርሚንግሃም ዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ውድድር ፍርቂ ማራቶን - ናይ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያታት ዘምጽአ ኣትሌት ብምዃን ኣብ ዓለም ቅያ ሰሪሑ!! ኣብ በርሚንግሃም ወርቂ፡ ኣብ በርሊን ብሩር ኣብ ዓማን ድማ ነሓስ መዳልያታት! ድሕሪ’ቲ ሰለስተ ዓለማዊ ዓወታት መርበብ ሓበሬታ ያፍ ብዛዕባ ዘርኢሰናይ ታደሰ ኣብ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ - Taddese – a man for all surfaces - ማለት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዝዕወት ዘሪእሰናይ ታደሰ ክብል ብኣድናቖት ገሊጹዎ እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ናይ በርሚንግማ ውድድር ብዘይካ ዘርኢሰናይ ንኣትሌታት ሳሙኤል ጸጋይ {5ይ ተርታ ዝሓዘ}፡ ኣድሓኖም ኣብርሃ {መበል 19}፡ ተስፋሂወት ገብረትንሳኤ {መበል 44} ከምኡ’ውን የማነ ጠዓመ {መበል 47} ኣሰሊፋ ብምውድዳራ ብናይ ሓሙሽቲኦም ድምር ውጽኢት ብደረጃ ሃገራት ኣብ ዝወሃብ ሽልማት ንኬንያ ስዒባ ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ በቒዓ እያ። በዚ መሰረት ድማ ባንዴራ ኤርትራ ኣብ በርሚንግሃም ክተንበልብል ተራእያ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣትሌት ሳሙኤል ጸጋይ ንፈለማ ግዜኡ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ተሳቲፉ 5ይ ተርታ ምሓዙን ኣብ ናይ ገንዘብ ሽልማት ምእታዉን ንዝሰዓበ ናይ ኣትለቲክስ ዕማሙ በሪ ዝኸፈተሉ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።