ደሴት ኪዳነ ናብ ኦሊምፒክስ ቶክዮ ትጥምት

ሳምሶን ሃይለ

ገና 20 ዓመታ ኣይመልአትን ዘላ - ብ2000 ዓ.ም. እያ ተወሊዳ። እንተኾነ ንኤርትራ ወኪላ ኣብ ብርክት ዝበለ ኣህጉራውን ዓለማውን ውድድራት ተሳቲፋ ዝድነቕ ውጽኢት እተመዝግብ ዘላ እያ - ደሴት ኪዳነ። ተቐዳዳሚት ጋንታ ጋላነፍሒ ዝኾነት ደሴት ኪዳነ ኣብ 2018 ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይ መንእሰያት ድርብ መዳልያ ወርቂ እያ ኣብ ክሳዳ ኣጥሊቓ። ኣብ ክሮኖሜተር ቀዳመይቲ፡ ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ብተመሳሳሊ ቀዳመይቲ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣርጀንቲና ከተማ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ መንእሰያት ዓለም ድማ ንህዝባን ኣሰልጠንታን ዘገረመን ዘሐጎሰን ንዓኣ ድማ ጠመተ ፕሮፌሽናል ጋንታታት ዝረኸበትሉ ውጽኢት ኣመዝጊባ - ምስ ቀዳሞት 10 ኮይና ውራ ፈጺማ።

ኢትዮጵያ - ከተማ ባህርዳር ዓሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ክሮኖሜተርን ኣብ ናይ ጽርግያን ኣብ ክልቲኡ ካልኣይቲ፡ ኣብ ናይ ልዕሊ ዕድመ {ሲነር} ድማ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ሰለስተ መዳልያታት ጨቢጣ እያ። ኣብ 2018 ኣብ ኣውስትራልያ ኣብዝተገብረ ሻምፕዮን ዓለም’ውን መበል 22 ተርታ ሒዛ። ዓሚ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም’ውን ንኤርትራ ወኪላ ተወዳዲራ እያ።

ደሴት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል መሰልጠኒ ዩሲኣይ ምስ ሓንቲ ጋንታ ተጠርኒፋ`ውን ልምምድን ተካይድ ብምንባራ ዝያዳ ተመኩሮን ተክኒክን ከምዝደለበትን ኣብ ውጽኢታ ከምዝሓገዛን እያ ትገልጽ። ሎሚ ዓመት ክራማት ኪካየድ ዝነበሮ ኢሎምፒክስ ቶክዮ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንዓመታ እዩ ተቐይሩ። በዚ መሰረት ዓመት ናይ ምድላው ግዜ ኪህሉ እዩ - ንስፖርተኛታት። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ደቀንስትዮ ኣብ ኤርትራ ንፉዓት ተቐዳደምቲ ኣለዋ። ካብተን ፍርይ ፍርይ ዝበላ ሞሳና ደበሳይን ደሴት ኪዳነን ክርከባአን። ተቐዳዳሚት ጋንታ ደንደን ሞሳና ደበሳይ ምስ ሓንቲ ናይ ጥልያን ጋንታ ተጸንቢራ ናይ ፕሮፌሽናልነት ዕድል ረኺባ ዝነበረት ምኩርቲ ተወዳዳሪት እያ።

“ኣብ ኦሊምፒክስ ምስታፍ ንሓደ ስፖርተኛ ስለዓለ ክብሪ ዘውህብ እዩ። ኣብዚ ክቡር ዓለማዊ ውድድርዚ ንሃገር ወኪለ ክሳተፍ ድማ ናይ ወትሩ ሕልመይ እዩ - ፈጣሪ እንተፈቒድዎ ኣብ ኦሊፕኪስ ቶክዮ ክወድደር ካብ ሕጂ ኣትሒዘ ምድላዋተይ ይጅምር ኣለኹ” ትብል ኣትሌት ደሴት ኪዳነ።