ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ቅ/ብሽክለታ ዓለም ብደረጃ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ትሕዝ
ተረርቲ ዓቀበታት ናይ ምሕኳር ልምዲን ብልጫታትን ዘለዎም ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝውክሉ ተቐዳደምቲ ሎሚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ገለ ውጽኢት ከመዝግቡ ተተስፍዮም ነይሮም። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ፈለማ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ከተማታት ማርቲኚን ኤይጂሊን ኪካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ውድድር ሓያሎ በዳህቲ ዓቐበታት ዘጠቓልል፡ ንሓኾርቲ ዝያዳ ዕድል ዝህብ ብምንባሩ። እንታይ`ሞ ክኸውን ኮሮና ቫይረስ ከም ኩሉ ጽላታት ነዚ ውድድር’ዚ እውን ብኣሉታ ስለዝጸለዎ፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነቲ ናይ ምእንጋድ መደብ ሰሪዙዎ። ስለዚ ኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ማለት ዩሲኣይ፡ ካልእ ኣማራጺ እዩ ሃሰው ኢሉ። መወዳእታኡ ድማ ኢጣልያ ፍቓደኛ ኮይና ተረኺባ። ይኹን እምበር እቲ ድሮ ኣብ ከተማ ኢሞላ ክካየድ ጀሚሩ ዘሎ ውድድር ከም ናይ ኣጂለ-ማርቲኚ በዳህቲ ዓቀበታት ስለዘይብሉ ነቶም ኣብ ጎልጎል ዘድምዑ እምበር፡ ንከም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝኣመሰሉ ውሩያት ሓኾርቲስ ዘተኣማምን ዕድል ዝህብ ኣይኮነን።
ብዝኾነ ሰለስተ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ - መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኑኤል ገብረዝግኣቢሄርን ናትናኤል ብርሃነን - ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ኣብቲ ካብ 24-27 መስከረም 2020 ዝካየድ ውድድር ብሽክለታ ዓለም ይሳተፉ ኣለዉ። ኤርትራ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ዓመት ክትሳተፍ ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ማሕበር ቅ/ብሽክለታ ዓለም ነቲ ውድድር ብርዱእ ምኽንያት ኣብ ናይ ልዕሊ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ከምዘተኩር ጥራይ እዩ ገይሩዎ።
ሲነር ደቂ ተባዕትዮ ናይ ክሮኖሜተርን ናይ ጽርግያ ውድድር ኣካይዶም። ኤርትራ ኣብ ክሮኖሜተር ኣይተሳተፈትን። ኣብቲ ብ27 መስከረም ዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ውድድር ግን ንሰለስቲኦም ፕሮፌሽናል ተቐዳደምታ ሒዛ ቀሪባ። ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣቶ ሳምሶን ሰለሙን ኣብ ድሮቲ ውድድር ኣብ ዘዘራረብናሉ፡ “እቲ ንዓና ዝበለጸ ረብሓ ዝህበና ዝነበረ እቲ ናይ ስዊዘርላንድ መወዳደሪ ቦታ እዩ። ብዙሕ ተረርቲ ዓቐበታት ዘለዎ እዩ። እዚ ኣብ ኢጣልያ ተሰሪዑ ዘሎ ውድድር 258.2 ኪሎሜተር ዝሽፍን ውድድር ግን ዳርጋ ብምሉኡ ጎልግሎል እዩ - ብዘይካ ሓሙሽተ ኪሎሜተር። እንተኾነ ሓሙሽተ ብሓሙሽቲኣ ሓያል “ግራድየንት” {ዓቀበ-ቅልቁልነት} ስለዘለዋ እንድዒ ብዓል መርሃዊ ቁሩብ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ” ክብል ገሊጹልና።
ኣብቲ ውድድር ብዘይካ ንኤርትራ ወሲኽካ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ እየን ክሳተፋ ዕድል ረኾበን። እታ ኣብዚ ኣህጉር ዝበለጹ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ዝጸንሑዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ክልተ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸት እትመጽእ ዘላ ርዋንዳ ድማ ሓደ ኣሳቲፈን። ኤርትራ ድማ ሰለስተ ተቐዳደምቲ ተሰሊፎም። እቲ እንኮ ናይ ርዋንዳ ተቐዳዳማይ ኣይከኣለን - ውድድር ቅድሚ ምዝዛሙ እዩ ኣቋሪጹ። እቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ድማ ካብቶም ልዕሊ 200 ተቐዳደምቲ መበል 78 ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ። ካብ ኤርትራ ድማ ኣብዚ ናይ ዓለምና ዝሓየሉ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉዎ ውድድር መርሃዊ ቅዱስ መበል 67፡ ኣማኑኤል ገብረዝግብኣቢሄር ከኣ መበል 69 ተርታ ብምፍጻሞም ዘተባብዕ ውጽኢት ኣመዝጊቦም። ናትናኤል ብርሃነ ግን ብተክኒካዊ ምኽንያታት ኣብቲ ውድድር ኣይተኻፈለን። ብሓፈሻኡ ኣብዚ ልዕሊ ፍርቆም ካብቶም ኣትሌታት ዓለም ውድድሮም ዘይወድኡሉ ሻምፕዮን ዓለም ኤርትራ ኣመዝጊባቶ ዘላ ውጽኢት፡ ብውሑዱ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዘቐምጣ ብምዃኑ ዝነኣድ ውጽኢት እዩ ኢልና ክንድምድም ንኽእል። “ዮሃና” ዘብል እዩ እውን።