ብሳምሶን ሃይለ
ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስቤኮን ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራን ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ኢጣልያዊት ፕሮፌሽናል ጋንታ ኣንድሮኒ ጂዮካቶኒ ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ከምዝኸተመ ጋዜጣታት ኢጣልያ ሓቢረን።
እቲ ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ምስ ናይ ኮንቲነንታል ጋንታ NTT ኣብ ጎኒ ሓያሎ ፍሉጣት ፕሮፌሽናል ተሰሊፉ ኪወዳደር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣውራ ድማ ኣብ ውድድር ኣሚሳ ቦንጎ (ጋቦን) ከምኡ’ውን ኣብ ዙር ርዋንዳ ብዘመዝገቦ ኣንጸባራቒ ዓወታት ምስ ፕሮፌሽናል ውድድር ክላለ ከምዝበቕዐን ኣቓልቦ ኣሰልጠንቲ ጋንታ ኣንድሮኒ ከምዝሰሓበን እታ ጋንታ ብ27 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።
ናትናኤል ሎሚ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ውድድር ኣሚሳ ቦንጎ ብውህሉል ነጥቢ ካልኣይ ተርታ ኪሕዝ እንከሎ፡ ንዙር ሩዋንዳ ድማ ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ኮይኑ ብጫ ማልያ ከምዝወደየ ይዝከር።
ናትናኤል ተስፋጽዮን በዚ ረኺብዎ ዘሎ ዕድል ድሕሪ ናትናኤል ብርሃነ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኑኤል ገብረዝግኣብሄር ከምኡ’ውን ቢንያም ግርማይ ኣብ 2021 ኣብ ዝግበር ናይ ፕሮፌሽናል ውድድራት ዝሳተፍ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክኸውን በቒዑ ኣሎ።
“ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣንድሮኒ ጂያኒ ሳቭዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣዝዩ ብሉጽ ዝኾነ ውጽኢት ክነመዝግብ ጸኒሕና ኣሎና፣ ሕጂ ድማ ብሉጽ ብቕዓት ንዘርኢ ዘሎ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምሳና ጸንቢርና ሓይልናን ውጽኢትናን ከነዛይዶ መደብ ሓንጺጽና ኣሎና” ኢሉ።
