ብኻልድ ሓሰን
ካብ 19 ክሳብ 21 ለካቲት ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ መበል 53 ውድድር ቱር ደስ ኣልፐስ ማሪታይምስ (Tour Des Alpes Maritimes et du Var) ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ናይ ቀጠልያ ማልያን ዓቐበትን ቅድድም ዓወት ኣመዝጊቡ።
ኣብቲ እንተላይ ያቆብ ደበሳይ ዝተኻፈሎ 2.1 ደረጃ ዝሕዝ ቅድድም፡ ቢንያም ግርማይ ብ20 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መድርኽ፡ 16 ነጥቢ ድሕሪ ምውህላል ማልያ ኣንበሳ ዓቐብ ወድዩ።
ብዘይካዚ ብቮላታ ነጥቢ ኣብ ዝተሓዘሉ ውድድር፡ ቢንያም ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ኮይኑ ብምምራሕ ቀጠልያ ማልያ ወድዩ ቀንዩ።
ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይን ያቆብ ደበሳይን ኣባላት ፈረንሳዊት ጋንታ ደልኮ ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ያቆብ ደበሳይ ኣብዚ ናይ ቱር ደስ ኣልፐስ ማሪታይምስ ውድድር ብቕዓቱ ብምምሕያሽ ንቐጻሊ ውድድራቱ ድርኺት ክፈጥረሉ ዝኽእል ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

መትከል እዮብ
ብኻልእ ወገን ኣብ ቱርኪ፡ ብ“ግራንድ ፕሪክስ ቬሎ ኣላያ” ኣብ ዝጽዋዕ ውድድር ዝተሳተፈ ተቐዳዳማይ መትከል እዮብ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ኣብ ክሳዱ መጣልያ ኣጥሊቑ። ኣብዚ ናይ 1.2 ደረጃ ዘለዎ ውድድር መትከል እዮብ ካብ ቱርካዊት ከተማ ኦኩርካላር ናብ ከተማ ጓንዶግሙዝ ኣብ ዝዝርጋሕን ከበድቲ ዓቐበታት ዘለዎን 105 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ውድድር እዩ ነዚ ኣገዳሲ ዓወት’ዚ ዘመዝገበ።