ዓወታት ሃገራውያን ጋንታታትና ኣብ ዓመቱ

                ዓወታት ሃገራውያን ጋንታታትና ኣብ ዓመቱ

 ሳምሶን ሃይለ

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን 2019 ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ዘርኣየቶ ብቕዓትን ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ክእለትን ኣድናቖት ከምዘትረፈ ይዝከር። ብዙሓት ኣብቲ ውድድር ዝተኻፈሉ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣሰልጠንቶምን ኣካየድቲ ሴካፋን ከኣ ዘይሃስስ ዝኽሪ ከምዝሓደገሎም በብእዋኑ ይጠቕሱዎ ኣለዉ። ድሕሪ 2012 ንፈለማ እዋን ኣብ ሻምፕዮን ሴካፋ ዝተሳተፈት ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ጸወታታት 17 ሸቶታት ምስ ኣመዝገበት ኣብ ግዜኡ ኣዛራቢ ነይሩ። እዚ ውጽኢት’ዚ ብገምጋም ክርአ እንከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግጥም ልዕሊ ኣርባዕተ ሸቶታት ኣመዝጊባ ማለት እዩ። ኣውራ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ንዛንዚባር 5-0 ምስ ኣፋነወታ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ሴካፋ ክትሰልብ በቒዓ እያ። ኣብቲ ውድድር ዛንዚባር ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትሕቲ 20 ዓመት ስዒራ ናብ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሰጊራ ብምንባራ፡ ብኤርትራ ይኹን ብኻልእ ሃገራዊት ጋንታ ብኽንድዚ ዝግፍሑ ውጽኢት ክትሰዓር ዝተጸበየ ውሑድ እዩ ነይሩ። ሬድሲ ካመልስ እምበኣር ብኽንድዚ ዝግፍሑ ውጽኢት ኣይኹን’ምበር ተክኒካውን ታክቲካውን ብስለትን ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ድንቂ ዝኾነ ጥበብን ከምዘለዋ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታታት ብግብሪ ስለዘርኣየት ዋንጫ ናይ ምዕታር ዓቕሚ ከምዘለዋ ብብዙሓት ተኣሚኑላ እዩ።

ብዝኾነ ኣብቲ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር፡ ሬድሲ ካመልስ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር ሃራምበ ስታርስ (ኬንያ) ገጢማ፡ ኣብ መበል 80 ደቒቕ ብዝተመዝገበታ እንኮ ሸቶ ናብ ግጥም ንዋንጫ ካብ ምሕላፍ’ኳ እንተተዓግተት፡ ንደረጃ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ንሱዳን 1-0 ስዒራ ሳልሰይቲ ኮይና መዳልያ ክትሽለም በቒዓ እያ።

ድሕሪ ክልተ ወርሒ ናይዚ እምበኣር እያ ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ተፈራሒት ኮይና ክትቀርብ ዝበቕዐት። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ሬድሲ ካመልስ ኣቶ ኣለምሰገድ ኤፍሬምን ኣማኻሪኡ - ዳይረክተር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣቶ ዳኒኤል የውሃንስን ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ንኤርትራ ኣብ ዝበረኸ ክብታ ከቐመጥዋ ንዝበቕዑ ዝበዝሑ መንእሰያት ሒዞም እዮም ናብ ዩጋንዳ ዘምርሑ። ገለ 5-6 ካብ ነባራት ኣባላት ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ወሲኾም ድማ ሜዳ ወሪዶም።

ኤርትራ ፈለማ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ እያ ገጢማ። ብሩንዲ ኣብ ዞባ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ምቕሉል ውጽኢት ከተምጽእ ዝጸንሐት ሃገር ትኹን’ምበር ብኤርትራ ብጸወታን ውጽኢትን ክትዕብለል እያ ተራእያ። ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ልዳት ጋንታኦም ዝጅምሩዋ ኩዕሶ ብሓጺርን ነዊሕን እናተቐባበሉን ብሱል ቴክኒካውን ታክቲካውን ብቕዓት እናርኣዩን ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ከባቢ ልዳት ኣንጻር ጋንታ ክበጽሑ ይእግሞም ኣይነበረን። ከምዚ ዓይነት ብስለት ተጠቒሞም ንብሩንዲ 1-0 ብምስዓር ድማ ናብ ዝቕጽል ዙርያ ንናይ ምሕላፍ ተኽእሎኦም ባይታ ኣንጸፉ።

ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታኣ ብኣአንጋዲት ዩጋንዳ (ዘ ክሬንስ) 2-0 እኳ እንተተሳዕረት ድሕሪኡ ንጂቡቲ 3-0 ስለዝረትዓታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ናይ ምስጋር ዕድላ ዳርጋ ኣረጋጊጻቶ’ያ። ኣንጻር’ታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብቕዓታ እናመሓየሸት ክትመጽእ ዝጸንሐትን ሓደ እዋን ተዓዋታቲት ሴካፋ ክትከውን ዝበቕዐትን ሃገራዊት ጋንታ ሶማል ገጢማ እንተተዓዊታ ወይ’ውን ማዕረ እንተተፈላልያ ካልኣይቲ ኮይና ምሕላፋ ተረጋግጽ ብምንባራ ከኣ ተጠንቂቓ ተጻዊታ፣ 0-0 ብምፍልላይ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ ኣንጻር ኬንያ ተመደበት። ኤርትራ እምበኣር ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ እያ ምስ ኬንያ ንኻልኣይ ግዜኣ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ትራኸብ ዘላ።

ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ (ሃራምበ ስታርስ) ኣብ ዝነበረቶ ካልኣይ ምድብ ንታንዛንያ በሊጻ እያ ቀዳመይቲ ኮይና ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሰገረት። ኣብ ርእሲኡ ኣብ 2017 ሻምፕዮን ብምዃን ነታ ዋንጫ ዳግማይ ኣብ ከብሓ ከተትርፋ ህንጡይነት ስለዝነበራ ከምኡ’ውን ኣብ ኩዕሶ ብዘለዋ ዕዙዝ ድሕረባይታ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ትርከብ ሃገር ብምዃናን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ተዓዊታ ንዋንጫ ክትበጽሕ ዝለዓለ ግምት ተዋሂቡዋ ነይሩ እዩ። ንተጻወትታን ኣካየድታን’ውን ተመሳሳሊ መረዳእታ እዩ ነይሩዎም። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ፍራንሲስ ኪማንዚ ቅድሚ ጸወታ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኤርትራ ዝነኣድ ጸወታን ውጽኢትን ከተርኢ ከምዝጸንሐት እኳ እንተዘይከሓደ፡ ኬንያ ግን ከም ስግኣት ከምዘይትርእያን ብቐሊሉ ስዒራ ድማ ጠመተኣ ናብታ ኣአንጋዲትን ዝበዝሐ ዋናጩ ሴካፋ ዓቲራ እትርከብን ዩጋንዳ ከምዝኾነን ገሊጹ ነይሩ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣለምሰገድ ኤፍሬም ብወገኑ፡ ኬንያ ሻምፕዮን ሴካፋ ብምዃና ተፈራሒት ጋንታ ከምዝኾነትን ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ግን ብዘለዎም ሞራልን ኒሕን ክስዕርዋ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ምድላዋት ገይሮም ከምዘለዉን ሓቢሩ። ሓያሎ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ እዚ ዞባ’ውን ኤርትራ ኣብ በኹሪ ሱታፌኣ ተወዳዳርነት ከተርኢ ጀሚራ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ኣንጻር ኬንያ እተካይዶ ውድድር ግን ክብድሃ ከምዝኽእል እዮም ተነብዮም።

ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኤርትራን ኬንያን ኣብ ስታር ታይም ስታድዩም ዝተባህለ፡ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝርከብ ሜዳ ተኻየደ። ብቕንያቱ መስተንክራዊ ደገፍን ሃገራዊ ፍቕርን ከርእዩ ዝቐነዩ ኣብ ዩጋንዳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ባንዴራ ሃገሮም እናንበልበሉን ብሕብሪ ባንዴራና ዘጌጸ ጽላልን ካልእን ሒዞምን ካብጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣትሒዞም ንሃገራዊት ጋንታኦም ከተባብዕዋ ውዒሎም።

ተጻወትቲ ሃራምብ ስታርስ ቆማታትን ተረርትን እዮም። ኤርትራውያን መዛኑኦም ድማ ብዕድመ ዝነኣሱን ብተዛማዲ ድቕቕ ዝበሉን ብምዃኖም ኩዕሶ ብሓጺርን ቅልጡፍን ምቅብባል ካብ እግሮም ከምዘይትለቅቕ ገይሮም ክዕወቱ’ዩ ነይሩ ብኣሰልጣኒኦም ዝተዋህቦም መምርሒ። ተጻወትቲ ሬድሲ ካመልስ ዝተባህሉዎን ኣብ ልምምድ ክሰርሑሉ ዝቐነዩን ስልቲ ክደግሙዎ ኣይተኣገሙን። ሓላው ልዳት እንተሒዝዋ ኣብ ጥቓኡ ንዘሎ ተጻዋታይ የቐብሎ፣ ንሱ ናብ ናይ ወሰን ተኸላኸልቲ ወይ ኣከፋፈልቲ፡ ካብኡ ናብ ኣጥቃዕቲ እናተወሃሃቡ ንኬንያውያን ኩዕሶ ክሕዝዋ ኣይፈቐዱሎምን። ኣብ ቀዳማይ እብረ ሮቤል ብጸጋማይ ሸነኽ ንዝወሰዳ ኩዕሶ፡ ብመንጎ ክልተ ተጻወትቲ ኬንያ ብዘደንቕ ክእለት ሓሊፉ ንሸቶ ዝፈተና’ሞ ኣፍልቢ ኬንያዊ ሓላውልዳት ሃሪማ ዝተመልሰት ምስ ዝከላኸል ዝነበረ ኬንያዊ ተላቲማ ሰኪዔት ተንኪፋ። ኤርትራ 1-0 መሪሓ።

ሓላው ልዳት ካብ ቦታኡ ወጺኡ ከምዝነበረ ዘስተውዓለ ኣቤል ሰለሙን (ኪሎ) ካብ ከባቢ ፍርቂ ሜዳ (47.1 ሜትሮ) ርሒቑ ዝቐልዓ ኩዕሶ ብላዕለ ላዕሊ ክትምዝገብ ዝተጸበያ ሰብ ክንደየናይ ከይነብር! ግን ብተኣምር ተመዝጊባ፡ ንተዓዘብቲ ኣገሪማ፡ ንተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ድማ ኣዐንዚዛ!! ጋዜጠኛታት ሓያሎ ማዕከናት ዜና’ውን ምስ ብዙሓት ኣብ ኤውሮጳ ዝምዝገባ ሸቶታት እናወዳደሩ ጽሒፎምላ እዮም።

ተጻወትቲ ኬንያ ንዝኣተዋኦም ሸቶታት ከምልሱ ተንቀሳቐሱ። ካልኣይ እብረ ነዊሕ ከይቀጸለ ድማ እቲ ናብ ገዛእ ጋንታኡ ሸቶ ዘእተወ ኬንያዊ ንጋንታኡ ተስፋ ዝሃበት ሸቶ ኣመዝጊቡ። እንተኾነ ሬድሲ ካመልስ ኩዕሶ ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ብምምላስ ብሮቤል ኪዳነን ሚካኤል ሃብተን ኣከታቲላ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ልዕሊ’ታ ሻምፕዮን ሴካፋ ዝኾነት ሃራምበ ስታርስ 4-1 ተዓዊታ ንፍጻመ ሓሊፋ።

እዚ ውጽኢት’ዚ እምበኣር እዩ ንዩጋንዳውያን፡ ኬንያውያንን ካልኦትን ኣዛራቢ ኮይኑ ዝቐነየ። ሬድሲ ካመልስ መትሓዚ ተሳኢኑዋ። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዩጋንዳ ኣየርላንዳዊ ሚስተር ጆናታን ማክሲንስትሪ ግን ኤርትራ ንኬንያ ክትስዕራ ምዃና እምነት ከምዝነበሮ’ዩ ምስ “ጎል ዶት ኮም” ዝተባህለ ህቡብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ዝገለጸ። “ኣነ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ቅድሚ ምክያዱ ኤርትራ ንኬንያ ክትስዕራ ምዃና ንተጻወትተይ ሓቢረዮም ነይረ እየ። ምኽንያቱ ተጻወትቲ ኤርትራ መንእሰያት ክነሶም፡ ኩዕሶ ብዝግባእ ዝመልኩ፡ ውሁድ ሓባራዊ ጸወታ ዘዘውትሩ ከምኡ’ውን ኩዕሶ ብሓጺር እናተቐባበሉ ኣብ ፍርቂ ሜዳ ኣንጻር ጋንታኦም ምጽዋት ዘዘውትሩ (press high ዝገብሩ) ብምዃኖም እቶም ጉልቡታት ተጻወትቲ ኬንያ ኪቈጻጸሩዎም ከጸግሞም እዩ” ብምባል ኣብነታት እናሰነየ ገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ግጥም ዩጋንዳ ንታንዛንያ 1-0 ስዒራ ናብ ፍጻመ በጽሐት። ኣሰልጣኒ ዘክሬይንስ ማክስኒስትሪ “ንኤርትራ ክትስዕሩዋ ዲኹም” ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፡ “ንስዓራ ኣይንስዓራ፡ ኤርትራ ብዘለዋ ድንቂ ክእለት ክትነኣድን ክትክበርን ዝግብኣ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ክብል እዩ መሊሱ። ኣስዒቡ “ነዛ ኩዕሶ ካብ እግራ ዘይትለቃ ኤርትራ ክንስዕራ እንተዄንና ኩልና ተጻወትትን ኣሰልጠንትን ዝለዓለ ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን ታክቲካውን ምድላዋት ክንገብር ኣለና። እንተዘይኮይኑ ግን ዕጫ ኬንያ ክገጥመና ይኽእል እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብዝኾነ ኤርትራ ኣንጻር’ታ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019 ብምክፋል ብቕዓታ ዘመስከረት፡ ኣብ ሴካፋ ዝበዝሐ ዋናጩ ብምዕታር ክብረወሰን ዝሓዘት፡ ብምኩር ብሪጣንያዊ ኣሰልጣኒ እትእለ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣብ ሜዳኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ዝገጠመት ዩጋንዳ ክትጻወት ሜዳ ቀረበት። ኣብቲ ናይ ፍጻመ ውድድር ዩጋንዳ ብኹሉ መዳይ ዓብላሊት ኮይና ብምቕራባ ድማ 3-0 ተዓዊታ ዋንጫ ሰፍሲፋ። ብተወሳኺ ዘ ክሬይንስ ኣብ ሜዳኣ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ፍጻመ ግጥማት ኣብ ኩሉ ተዓዊታ ዋንጫ ወሲዳ’ያ። ንፈለማ ግዜኣ ንዋንጫ ዝበጽሐት ኤርትራ ከኣ ብሩር መዳልያ ኣብ ክሳዳ ኣጥሊቓ። ብተወሳኺ ኣከፋፋሊ ሬድሲ ካመልስ ሮቤል ተኽለሚካኤል ንብምሉኦም ተጻወትቲ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ በሊጹ ኮኾብ ሴካፋ ኮይኑ ተሸሊሙ።