ወዲ ዓብደላ፡ ወዲ ዓብደላ ግደፍ ግደፍ ሰኪዔት ከይትቐደልና. . .!!
ብሳምሶን ሃይለ
ኣብ 2006 ብምኽንያት ስራሕ ኣብ ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ሰለስተ ወርሒ ጸኒሐ ነይረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣልዔን እትቕመጥ ሓንቲ ኤርትራዊት ክበጽሓ እኸይድ እሞ ምስ ፈለጥታ ደቂ’ቲ ዓዲ ኣላልያትኒ። ካብ ኤርትራ እዩ መጺኡ፣ ሓዉ ንኣሕመድ ዓብደላ እዩ ምስ በለቶም ብኣድናቖት ካብ ዘለዉዎ ሓፍ ኢሎም መጺኦም ሰላም ኢሎምኒ። ኣብ ልዕሊ ወዲ ዓብደላ ዘለዎም ፍቕርን ኣድናቖትን ድማ ገሊጾምለይ። ሓቃቶም እዮም። ኣሕመድ ዓብደላ ሽዑ ኣብ ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ምስ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ናይ እትጻወት ዝነበረት ክለብ ኣልዔይን ቀዳማይ ኣሰልጣኒ እዩ ነይሩ። ከተማ ኣልዐይን መደበር መራሕቲ ናይታ ሃገር እያ። ብኡ ምኽንያት ድማ ዓበይቲ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ንምዕዳግ ድሕር ዘይትብል ክለብ ምዃና እግንዘብ ስለዝነበርኩ፡ እቲ ዘይተኣደነ ዋናጩ ዘዕተራን ንደገፍታ ጸባ ዘስተየላን ኣሰልጣኒኣ ኤርትራዊ ብምዃኑ ብሓቂ ተሓቢነ።
ሽዑ ንወዲ ዓብደላ ክረኽቦ ድሌት ነይሩኒ፣ ግን ኣይጠዓመንን። ብዛዕባ ብቕዓቱን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ሃገርና ዝነበሮ ኣበርክቶን ግና ምስተመለስኩ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሓናጢጠ ነይረ። ገለ ካብኡ ከካፍለኩም።
***
ኣሕመድ ዓብደላ (ወዲ ዓብደላ) ኣብ ፈለማ 1950ታት ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ተወሊዱ። ከም ዝኾነ ኤርትራዊ ገና ብህጻንነቱ ኩዕሶ ክቐልዕ ዝጀመረ ወዲ ዓብደላ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህቡብ ተጻዋታይ ኮይኑ ዝተሰምየሉ ምስ ጋንታ እምባሶይራ እንከሎ እዩ። ኣብ መወዳእታ 1960ታትን ፈለማ 1970ታትን ድማ ምስታ ክለብ ተሰሊፉ ፍሉይ ጥበብ ዝሓለፈን ብሓያሎ 10ታት ዝቑጸራ ሸቶታት ከመዝግብ በቒዑ። ኣብ 1974 ዓ.ም. ኮኾብ ተጻዋታይ መላእ ኢትዮጵያ ተባሂሉ’ውን ተሸሊሙ ነይሩ። (ሽዑ ዝተሸለማ ዋንጫ ኣብ ስእሊ)
ተክኒካዊን ታክቲካውን ክእለቱን ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ድንቂ ብቕዓቱን ዝወጽኦ ዘይብሉ ርእሰ-ኮኾብ እኳ እንተነበረ፡ ኣሕመድ ኣውራ ብሓያልን ዘየላቡን ቅላዑ ይልለ ነበረ። “ወዲ ዓብደላ፡ ወዲዓብደላ. . . ሕደግ ሕደግ ሰኪዐት ከይትቐደልና. . .” ብምባል ኣብ ግዜ ግጥም ደገፍቲ እምባሶይራ ይደርፉሉ ነይሮም። ኣብ ደገ ድማ ዋላ`ውን ደገፍቲ እምባሶይራ ዘይኮኑ ህጻናትን መንእሰያትን የዘውትሩዋ ነይሮም። እዛ ደርፊ’ዚኣ ዋላ ናብቶም ወዲ ዓብደላ መን ምዃኑ ዘይፈልጡ ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ወለዶታት ከይተረፈ ሰጊራ እያ።
እንተኾነ ኣሕመድ ዓብደላ ከምዝበዝሑ ናይቲ እዋን ስፖርተኛታትን መንእሰያትን ኤርትራ ኣብ ዓዱ ምንባር ውሕስነት ስለዘይሃቦ ኣብ መፋርቕ 70ታት ናብ ዓዲ ስደት ኣምሪሑ። ኣብ ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ስፖርታዊ ንጥፈታቱ ብምቕጻል ድማ መወዳእታኡ ናይ ሓንቲ ካብተን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ዓበይቲ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ቀዳማይ ፕሮፌሽናል ኣሰልጣኒ ክኸውን በቒዑ። ክሳብ ናይ ኣሰልጣንነት ዕማሙ ዝዛዝም ከኣ ምስታ ዓባይ ክለብ ቀጺሉ።