ኢጣልያ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም
ኣብ ኢጣልያ ብ3 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ መበል 58 ቅድድም ብሽክለታ ትሮፈው ላይጐግልያ፡ ተቐዳዳማይ ብንያም ግርማይ ታሽዓይ ደረጃ ብምሓዝ 40 ነጥቢ ሓፊሱ።
ኣብቲ 202 ኪሎሜትር ዝሸፈነ ውድድር ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ማለት ኣባል ኢጣልያዊት ጋንታ ኣንድሮኒ ጂዮካቶሊ - ሲደርመክ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ተቐዳደምቲ ፈረንሳዊት ጋንታ ደልኮ ብንያም ግርማይን ያቆብ ደበሳይን፡ ካብ ጋንታ ኣስታና መርሃዊ ቅዱስ ከምኡ’ውን ኣማኑኤል ገብረእዝጋብሄር ኣባል ጋንታ ትረክ - ሰጋፍረዶን ተሳቲፎም ነይሮም።
እቲ ብደረጃ ዓለም ፍሉጣት ዝኾኑ ዓበይቲ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ዝተኻፈሉዎ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ ውድድር፡ ካብ ዝጅምር ክሳብ ዝውዳእ ተረርቲ ዓቐበታት ዝመልኦ ኮይኑ፡ ሓያል ፍጥነት’ውን ዝተንጸባረቐሉ ነይሩ። ኣባል ጋንታ ትረክ - ሰጋፍረዶ ዝኾነ ባውከ ሞልማ ብኣርባዕተ ሰዓትን 57ን ደቒቕን ሓሙሽተ ካልኢትን ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱሉ። ብንያም ግርማይ ምስ 10 ቀዳሞት ምእታዉ ኣዝዩ ንኡድ ውጽኢት ምዃኑ ድማ ምግንዛብ ይከኣል። መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ብወገኖም ካብ ቀዳማይ ብዙሕ ከይረሓቑ ውድድሮም ክዛዝሙ ምኽኣሎም’ውን እቲ ካልእ ብልጫ ምንባሩ ፕሮሳይክሊን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኢጣልያ ብ7 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ጂፕ ኢንዱስትሪኣን እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተኻፊሎሞ።
ኣብዚ ውድድር ክሳብ ናይ መወዳእታ ቅጽበታዊ ቅድድም ዝበጽሐ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብቲ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ብ16 ካልኢት ድሒሩ መበል 12 ደረጃ ሒዙ። ብንያም ግርማይ መበል 16፡ መርሃዊ ቅዱስ ከኣ መበል 28 ተርታ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም። ያቆብ ደበሳይን ኣማኑኤል ገብረእዝጋብሄርን ግና ውድድሮም ክዛዝሙ ከምዘይካኣሉ ፕሮሳይክሊን ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ውድድር ናትናኤል ተስፋጽዮን 25 ነጥቢ ክሕዝ እንከሎ፡ ብንያም ግርማይን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ነጥቢ ክኣትዉ ክኢሎም እዮም።