ኤረትራዊ ሽወደናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ንሽወደን ጎል ኣመዝጊቡላ

 

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ከም በሃር (legend) ዝጽዋዕ ኣጥቃዓይ ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ድሕሪ ናይ ገለ ዓመታት ብኩራት ናብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ተመሊሱ ዝብል ዜና ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ተዘርግሐ፡ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ቦታኡ ዝምንጠል መሲሉኒ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኢብራሂሞቪች ንኣለክሳንደር ዘይኮነ ንካልእ ተጻዋታይ ሽወደን እዩ ቦታኡ ኣግዲፉዎ። ኣለክሳንደርን ዝላታንን ኣብቲ ሽወደን ኣንጻር ኮሶቮ ብሰንበት 28 መጋቢት ዘካየደቶ ናይ መጻረዪ ግጥም ብሓባር ኣብ መስመር ምጥቃዕ ተሰሊፎም። ኣብቲ ግጥም ግና እቲ ብኽእለቱን ዘመዝገቦ ሸቶን ከምኡ'ውን ዝዛረቦ ተረካብ ዘረባታትን ካልእ ብልጫታትን ኣብ ዓለምና ድሕሪ ልዮነል መሲን ክርስትያኖ ሮናልዶን ተጠቃሲ ዝኾነ ኢብራሂሞቪች ኣይኮነን ሸቶ ኣመዝጊቡ፣ እቲ ንኡስ ዝዕድመኡን ድምጹ ዘይስማዕን ትሑት ስፖርተኛ ኤርትራዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ እዩ ኣመዝጊቡ። ኣብቲ ሽወደን 3-0 ዝተዓወተትሉ ኣገዳሲ ግጥም፡ ኣለክሳንደር ኣብ መበል 35 ደቒቕ መሳጢት ጎል ረኺቡ።

እቲ ኣብ ላሊጋ ስጳኛ ምስ እትጻወት ቫለንሽያ ቀንዲ ተሰላፊ ዝኾነ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ዋላ'ኳ ንሽወደን ተሰሊፉ ዝጻወት እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ምዃኑ ብማዕከናት ዜና ስለዝቃላሕን ንሱ ድማ ክቱር ሃገራውነት ዘለዎን ኣብ ጫማኡን ማልያኡን ባንዴራ ኤርትራ ዘይፈልን ስለዝኾነን፡ ንኤርትራ ዓቢ ረብሓ ብምዃኑ ክንሕበነሉ ይግባኣና እዩ።