ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዘዋጽእዎ ኣስታት 43 ሽሕ ዶላር ናብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ተመቓሪሑ
ብድራር ፍሰሃየ
ኣባላት ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኣንገደ ናይ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ተሳቲፋ ብዝድነቕ ብቕዓትን ተወዳዳርነትን ተክኒካዊ ብስለትን ኣብ ታሪኽ ተሳታፍነታ ክሳብ ናይ ፍጻሜ ግጥም ብምብጻሕ ዘመዝገበቶ ናይ ካልኣይ ደረጃ ዓወት ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ሃገርናን ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻኡን ሰፊሕ ሸፈነን ሞጎስን ረኺቡ ምንባሩ ይዝከር።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ንክልተ ሰሙን ኣማኢት ኪሎ-ሜትራት ርሕቀት ኣብ ዘለዎ ከተማታት ኡጋንዳ እናተዘዋወረት ብልዑል ሞራላዊ ደገፍን ምትብባዕን ኣብ ኡጋንዳን ከባቢኣን ብዝቕመጡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ተሰንያ ዘመዝገበቶ ውጽኢት፡ እቲ ዛጊት ሃገራዊት ጋንታና ኣብዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ዞባዊ ውድድር ምስታፍ ካብ ዝጀመረትሉ 1994 እቲ ዝበለጸ ዓወት ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ። እዚ ብሉጽ ተወዳዳርነትን ውጽኢትን ድማ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻኢ ሃገራትን ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘሐበነ ብምንባሩ ንመንእሰያትን ትስፉዋትን ተጻወትትና ዝተባብዑሉ ውጽኢታዊ ተበግሶታት ክካየድ ግዜ ኣይወሰደን። ሓደ ካብኡ ድማ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ግዱሳት ኣፍቀርቲ ስፖርት ኤርትራውያን ሃገራውያን ናይ ስራሕን ናብራን ግዜኦም ብምውፋይ “Go Fund Me” ዝብል መርበብ ሓበሬታ ወፈያን ምትብባዕን ብምኽፋት፡ ሳላ ዘካየድዎ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ቀጻሊ ውድድራታ ንዝያዳ ዓወት ዝድርኽን ሞራል ኩሎም ኣባላታ ክብ ዘብልን ገንዘባዊ ሽልማት ክትረክብ ኣኽኢሉዋ’ዩ።
እዚ ዝተኣከበ ልዕሊ 42,800 ሽሕ ዶላር ፋይናንሳዊ ሓገዝ ናብ ውሽጢ ሃገር ተላኢኹ ኣብ ሕሳብ ባንክ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣትዩ ኣብ ግቡእ መዓላኡ ክውዕል ብኩሉመዳያዊ ደገፍን ጻዕርን ቤ/ጽ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ብዘየቋርጽ ምክትታልንን ኣልያን ኣቶ ማይክ ስዩምን ተደጊፉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቶም ሓበን ህዝቦምን ሃገሮምን ዝኾኑ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብወግዒ ተመቓሪሑ ከምዝወሃብ ተገይሩ ኣሎ።
ኣብቲ ብሓሙስ 18 መጋቢት 2021 ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ዝተኻየደን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ኣባላት ፈጻሚት ኣካል ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ ኣግሪ ኤርትራ ዝተረኽቡሉን ናይ ምትብባዕ ስነ-ስርዓት፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርት ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ነቲ መደብ ንዘወሃሃዱ ኩሎም ኣካላትን ኣባላት’ታ ሃገራዊት ጋንታን ብምምስጋን፡ እቲ ዝተራእየ ውህደት ኣብ መጻኢ ቀጺሉ እንተደኣ ከይዱ፡ እቲ ዓወታት ኣብ ምድርራብ ድርኺት ክፈጥር ከምዝኽእል እምንቶኡ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም ብግደኡ፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዘርኣየቶ ተወዳዳርነት ዝመሰጦም ሃገራውያን ነቶም ስፖርታውያን ዝያዳ ንምድራኽን ንምትብባዕን ዘርኣይዎ ተበግሶ ብስም ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምምስጋን፡ እቲ ፈደረሽን ኣብ ቀጻሊ’ውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻእን ምስ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ብምውህሃድ ንኩሉ መዳያዊ ዕቤት ኩኦሶ እግሪ ሃገርና ብዝለዓለ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣቶ ኣለምሰገድ ኤፍሬም ንኣባላት’ታ ሃገራዊት ጋንታ ብምውካል እቲ ዝተገብረሎም መተባብዒ ኣብ ቀጻሊ ንዝጽበዮም ኣህጉራዊ ውድድራት ዝያዳ ውጽኢት ንኸመዝግቡ ዝድርኽ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንኩሎም ነዚ መደብ ዕዉት ንክኸውን ዝተዋስኡ ኣካላትን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያንን ምስጋንኦም ኣቕሪቦም።
ብመሰረት ሓበሬታ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ ንተጻወትቲ፡ ኣሰልጠንቲን ተሓጋገዝቱን፡ ሓኪም ጋንታ፡ ንመራሒ ጋንታ ከምኡው’ን ንኣባላት ኮሚቴ ቴክኒክ ንነፍሲ ወከፎም ካብ 37 ክሳብ 10 ሽሕ ናቕፋ ገንዘባዊ ሽልማት ተዋሂቡ ኣሎ። ብርግጽ ከኣ እዚ ውጽኢቱ ብግብሪ ዝተራእየ ኣብነታዊ ናይ ምትብባዕ ተበግሶ’ዚ ኣብ ቀጻሊ ብውዱብ ኣገባብ እንተተሰሪሑሉ ንኩሉ መዳያዊ ዕቤት ስፖርት ኤርትራ ዝህልዎ እጃም ልዑል ብምዃኑ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ክስዕቦን ኣብ ምዕባለ ስፖርት ሃገር ምቕሉል ተራኡ ክጻወትን ዝድርኽ’ዩ።