ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብጭልፋ

 

ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብጭልፋ - ካብ መግዛእቲ ኢጣልያ ክሳብ’ዚ እዋንዚ

ብድራር ፍስሃየ

ዘመናዊ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ታሪኽ መግዛእቲን ሓርነታዊ ቃልስን’ዩ። ብምኽንያት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምስረታ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ(CAf) ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዝተዳለወ መጽሔት ታሪኽ 50 ዓመት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ከምዝሕብሮ፡ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ምስ ምእታው መግዛእቲ ኢጣልያ’ዩ ክዝውተርን ከም ኣካል መዘናግዒ ክርአን ዝጀመረ። ኣብ ፈለማ 30ታት እቲ ዓውዲ ብኢጣልያውያን ጥራይ ዝተሓዝአ’ኳ እንተነበረ፡ ብደቀባት ኤርትራውያን ክፍቶን ክዝውተርን ግዜ ኣይወሰደሉን።

ከም ውጽኢቱ ካብ 1936 ንደሓር ብመሪሕነት ፋልመይቲ ናይ ደቀባት ጋንታ ‘ኣርዲታ’’ ሓያለ ጋንታታት ደቀባት ክምስረታን ክስስናን ጀመራ። ንጋንታ ኣርዲታ ስዒበን ድማ ጋንታታት ሳቮያ፡ ቀይሕ-ባሕርን ሓማሴንን ብምምስራተን እቲ ፍጻሜ ወይ ኣጋጣሚ ከም ናይ ፈለማ ንጣር ቁልዒ ንሃልሃልታ ምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ክርአ ከኣለ። ምስረታ ናይዘን ናይ ደቀባት ጋንታታት ስዒቡ ድማ ተዓዛቢ ነቲ ንጥፈት ክከታተሎን ክስዕቦን ስለዝጀመረ፡ ካልኦት ጋንታታትን ብሉጽ ተውህቦን ክእለትን ዘለዎም ተጻወትቲ ብብዝሕን ብዓይነትን ክፍርዩ ተራእዩ።

ኣብ ፈለማ 30ታት ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ዝካየደሉ ሕዙእ ወይ ሕጹር ቦታታት ብዘይምንባሩ ጋንታታት ንሓድሕድን ሰፊሕ ጎልጎል ኣብ ዘለዎ ቦታታት እናተዓዳደማ እየን ውድድራት ዘካይዳ ዝነበራ። ኣብ መወዳእታ 30ታት (ልክዕ ንምዃን ኣብ 1939) ድማ ህንጸት ናይታ ብምስረታኣ ኣብ ኣፍሪቃ ሒደት መወዳድርቲ ጥራይ ዝርከባ “ካምፖ ቺቼሮ” - ብልምዲ (ቺቸሮ ንእሽቶ ተባኢላ እትጽዋዕ) ነቲ ድሮ ክወዓዋዕ ዝጀመረ ስምዒትን ፍትወትን ኩዕሶ እግሪ ዓቢ ድርኺት ፈጠረ። ሜዳ ካምፖ ቺቼሮ ሽሕ’ኳ ክሳብ 1946 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ንኢጣሊያውያን ጋንታታት፡ ተጻወትቲን ተዓዘብትን ጥራይ ተገልግል እንተነበረት፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት ምስ ስርዓት ምምሕዳር እንግሊዝ ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ናይ ደቀባት ጋንታታት ክግልገላላ ስለዝተፈቕደ ኣበርክቶኣ ንዕቤትን ምዕባለን ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ልዑል ተራ እዩ ነይርዎ።

ኣብ ካልኦት ከተማታት ሃገርና ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከምዝተኣታተወን ነናይ ገዛእ ርእሱ ነዊሕ ታሪኽ ከምዘለዎን ይፍለጥ። ንኣብነት ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዓድታት ጋሽ- ባርካ ብፍላይ ድማ ኣብ ተሰነይ ኣብ 1948 ኣቢሉ ምጅማሩ’ዩ መዛግብቲ ታሪኽ ዝሕብሩ። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲን መማህራንን ብዝተፈላለያ ጋንታታት ተጠርኒፎም ግጥማት የካይዱ ምንባሮም ድማ ይፍለጥ። ሓንቲ ካብተን ኣብ ተሰነይ ዓበይቲ ዝነበራ ጋንታታት ዝኾነት ጋንታ ጋሽ ኣብ 1953 ከምዝተመስረተትን ኣብቲ እዋን’ቲ ድማ ምስ ናይ ከሰላ(ሱዳን) ጋንታታት ዕዉት ግጥማት ተካይድ ምንባራን መስረትታ የዘንትዉ።

ምትእትታው ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ከም ኣብ ኣስመራ ኣብተን ካልኦት ከተማታት (ብፍላይ ኣብ ደቀምሓረ፡ ከረን፡ ባጽዕን ካልኦትን) እውን ተመሳሳሊ ታሪኽ ከምዘለዎይፍለጥ። ከም ሓበሬታ መጽሔት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ካፍ፡ ኣብ 50ታት ኣብ ሜዳ ካምፖ ቺቼሮ ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣቶ ከበደ ገብረስላሴ ኣብ 1946 ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ፈደረሽን ኩዕሶ ብምምስራት ንጥፈታት ይካየድ ምንባሩ ኣብ ዝኽሮም ይገልጹ። ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ድማ ኤርትራ ብፌደራላዊ ስርዓት ምስ ኢትዮጵያ ምስተቖርነት ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ርእሱ ዝኸኣለን ወግዓዊ ቤ/ጽሕፈትን ዝነበሮ ፈደረሽን ቆይሙ ነይሩ። እዚ ፈደረሽን’ዚ ግን ምስቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ካብ ውዲታትን ማሕለኻታትን ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ናጻ ኮይኑ ክሰርሕ ኣይከኣለን።

እዚ ኩሉ ማሕለኻታት እናሃለወ ግን ጥበብን ክእለትን ኤርትራውያን ጋንታታትን ተጻወትቲን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየን ጽልዋ እናፈጠረን እዩ ክኸይድ ተራእዩ። ፈደረሽን ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ስርዓት ኢትዮጵያ ድማ በዚ ክእለትን ዓቕምን ኤርትራውያን ተደሪኹ ሓደ ካብመስረትቲ ኣባላት ናይቲ ብ 1957 ኣብ ካርቱም(ሱዳን) ዝቖመ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ(ካፍ) ክኸውን ከኣለ። ኣብ ፋልማይ ዓመት ምስረታ ካፍ 1957 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ድማ ሰለስተ ርብዒካብ ተሰለፍቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ምንባሮም ይፍለጥ። እዚ ሱታፌን ብሉጽነትን ኤርትራውያን ተጻወትቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናሓየለን ጽልዋ እናፈጠረን ክመጽእ ግዜ ኣይወሰደሉን። ናይዚ ጭቡጥ ኣብነት ድማ ኣብ ናይ 1962 ግጥም 3ይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተመስከረ ታሪኽ ወትሩ ዘይርስዖ ብቕዓትን ሒደት ዝመዳርግቱ ቅያ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ምጥቃስ ኣኻሊ’ዩ።

ኣብዚ ውድድር’ዚ ጋንታ ኢትዮጵያ ብእንግድዓ ኤርትራውያን ተሓጊዛ ነቲ ውድድር ክትዕወተሉ እንከላ ኣብቲ ምስ ግብጺ ዝተኻየደ ናይ ፍጻሜ ግጥም፡ ሸሞንተ ኤርትራውያን ኣብ ሜዳ ተሰሊፎም ብሸቶታት ዝተሰነየ ብሉጽ ብቕዓት ከንጸባርቑ ክኢሎም’ዮም። እዚ ብቕዓትን ጥበብን ጸወታ ኤርትራውያን ድማ ክሳብ መፋርቕ 70ታት ምስ ኩሉ ተጻብኦታት ኣካየድቲ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብቕዓቱ ካብ ምምስካር ዓዲ ኣይወዓለን። ስርዓት ሃይለስላሴን ነቲ ፈደረሽን ዝመርሑ ዝነበሩን ኣካየድቲ ነቲ ኣካይዳን ም

ምሕደራን ስፖርት ንከፋፊልካ-ግዛእ ዝብል ፖሊሲኦም ከም መሳርሒ ክጥቀሙሉ ብምጅማሮምን ዝበዝሑ ዓቕሚን ብቕዓትን ዝነበሮም ኤርትራውያን ስፖርታውያን ድማ ናብ ደምበ ሰውራ ክጽምበሩ ካብቲ ዓውዲ ብምእላዮምን ንጥፈታት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብ መድረኽ ምድኻም ተሰጋገረ። ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ስርዓት ደርግ ክሳብ መወዳእታ 70ታት ንኩሉ ዓቕምታትን ንጥፈታትን ስፖርት ኤርትራ ኣደስኪልዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝውሕዝ ዝነበረ ዓቕሚ መንእሰያት ንምግታእ ሓድሽ መዋቕር ስፖርት ክዝርግሕን ንጥፈታት ስፖርት ከበራብርን ተቐሲቡ። ኣብዚ መድረኽ’ውን እንተኾነ ድጉል ዓቕሚ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ክጎልሕ’ዩ ተራእዩ። ጋንታታትን ተጻወትቲን ኤርትራ ክሳብ ድሮ ናጽነት ምስ ኩሉ ብስርዓት ደርግ ንዝግበር ዝነበረ ኣድልዎ ተጻዊረን ብቕዓተን ከመስክራ እየን ተራእየን። እቲ ኣብ 80ታት ዝካየድ ዝነበረ ግጥማት ድማ ጋንታታት ኤርትራ ጽልዋ ሰውራ ንቓልሲ ዘንጸባርቕን መንፈስ ዘይተሰዓርነትን ዝርኣየለን ብምንባረን ዘጋጥመን ዝነበረ ጸቕጥታትን ሽግራትን ቀሊል ኣይነበረን። ጎኒ ጎን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ግጥማት፡ እቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራን ኣብ ስደትን ብዝተፈላለየ ውዳቤታት ዝግበር ዝነበረ ጸወታታት ድማ ኣብ ሰንሰለታዊ ጉዕዞ ታሪኽ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናቱ ዝኸኣለ ታሪኽ ሰኒዱ’ዩ እዋን ናጽነት ኤርትራ 1991 ዘርከበ።

ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራመንግስቲ ንምዕባለ ስፖርት ብዝሃቦ ቆላሕታ ንምዕባለ ዝድርኽ ምቹእ ባይታን ሃዋህዉን ስለዝተፈጥረ፡ ዝጸንሐ ዓቕሚን ክእለትን ኤርትራውያን ተጻወትቲን ጋንታታትን ዳግም ክውደብን ክወዓዋዕን ጀመረ። መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብ ፈለማ ናይ ናጽነት ዓመታት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሃገራን ካብ ሃገራ ወጻኢን ምስ ምኩራት ሃገራት ዘካየደቶ ግጥማትን ዝሓፈሰቶ ዓወታትን ምጥቃስ ይከኣል። ነዚ ብቕዓት ስዒቡ ድማ ኣብ 1998 ኤርትራ ከም ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ንውድድራት ኩዕሶ ኣግሪ ዝመርሕ ሃገራዊ ፈደረሽን ብምቛም ኣብ ካፍን ፊፋን ኣባልነት ክትረክብ ብምኽኣላ፡ ናይ ዝተፈላለያ ክሊ ዕድመ ሃገራውያን ጋንታታት ክቖማን ኣብ ዞባዊ፡ ኣፍሪቃውን ናይፊፋን መጻረዪ ውድድራት ሱታፌአንኣብ ርእሲ ምውሓሰን ንባህጊ ኣፍቀርቲ ስፖርት ዘርዊ ውጽኢታት ክምዝገብ ደሪኹ’ዩ። ብድምር ናይዚ ኩሉ ጻዕርታትን ስራሓትን ድማ ሒደት ዘይኮኑ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ብዘርኣይዎ ብቕዓት ክሳብ ብደረጃ ፕሮፌሽናል ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምኻድ ብቕዓቶም ዘመስክሩሉ ባይታ ክፍጠር ተኻኢሉ’ዩ።

ጎኒ-ጎን’ዚ ንጥፈታት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ምስ ካፍን ፊፋን ዘለዎ ዝምድናታት እናዕበየ ብምምጻእ ብዝተፈላለየ መደባት ሓያሎ ቴክኒካዊን ፋይናንሳውን ሓገዛት ክረክብ ክኢሉ’ዩ። ገለ ካብቶም ዝተረኽቡ ሓገዛት ንምጥቃስ ብመደብ Fifa Goal Project ንመጻወቲ ሜዳ ስታድዩማት ቺቼሮ፡ ስታድዩም ኣስመራን ስታድዩም ከረንን ብሰብ ሰርሖ ሳዕሪ(Artificial Turf) ከምዝንጸፍ ክግበር እንከሎ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ቤ/ጽ. ጽበትን መለማመዲ ሜዳን ሕጽረት ንምፍታሕ ሓድሽ ቤ/ጽሕፈትን ንዝተፈላለያ ክሊታት ዕድመ ሃገራውያን ጋንታታት ዘገልግል ዘመናዊ ናይ መለማመዲ ሜዳን ህንጸት ክሳለጥ ተኻኢሉ’ዩ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ ከም ኣካል ናይ ልምዓት መደባት ናይ ተካእቲ(grass roots)፡ ናይ ደያኑን ኣሰልጠንትን ከምኡ’ውን ኣብ ዕቤት ንጥፈታት ደቀንስትዮ ዘተኮረ ዝተፈላለየ ናይ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ መደባት ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢን ብምድላው ንምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ደራኺ ተራ ኣብ ምጽዋት ይርከብ። ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖን ፕረዚደንት ካፍ ኣሕመድ ኣሕማድን ኣብ 2018 ኣብ ኤርትራ ብዝፈጸምዎ ዑደታትን ዝረኣይዎ ደረጃ ምዕባለ ኩዕሶ እግርን ነቲ እናማዕበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝምድናታት ዝያዳ ድርኺት ብምሃብ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ኣብ ተካእቲን መንእሰያትን መሰረት ዝገበረ ናይ ምዕባለ መደባት ንምትግባርን ከም ምውዳድ ትሕተ ቅርጽታት ኩዕሶ እግሪ፡ ምምስራት ማእከላት ስልጠናን ካልኦት መደባት ንምስላጥ ጥጡሕ ባይታ ከንጽፍ ክኢሉ ይርከብ።

ኤርትራ ኪኖ ኣብ ዞባዊ ኣህጉራዊን ዓለማውን ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ምስታፍ ኣብ 2010 ናይ ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ(Cecafa) ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ከምኡ’ውን ኣብ 2019 ናይ ሴካፋ ናይ ትሕቲ 15 ዓመት መንእሰያት ፈላሚ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ብድምቀትን ልዑል ማዕርግን ምእንጋዳ ይፍለጥ። ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘካየደቶ ውድድርን ንዘመዝገበቶ ብሉጽ ውጽኢትን ምስእንርኢ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ኡጋንዳ ኣብ ዝተኣንገደ ናይ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት ውድድር ሴካፋ ክሳብ ናይ ፍጻሜ ግጥም ብምብጻሕ ናይ 2ይ ደረጃ ውጽኢት ሒዛ ናብ ሃገራ ምምላሳ ምጥቃስ ይከኣል።