ኤርትራዊት መቕደስ ወልዱ ኣብ ጀርመን ብ21 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሳልሰይቲ ብምውጻእ ንሓሰ ከምእተሸለመት ተሓቢሩ።
እዛ ኣብ ፈረንሳ እትነብር ኣትሌት ብ1፡10፡50 ግዜ እያ ነቲ ናይ 21 ኪሎሜተር ርሕቀት ውድድር ሸፊናቶ።
መቕደስ ኣብ ሻምፕዪኦን ኣትለቲክስ ኣህጉር ኤውሮጳ ክትሳተፍ ምዃና ድማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የነጽር።