ናይ ኩዕሶ እግሪ ምልከቱ፡ ኣተሓሕዝኡ፡ ኣገባብ ኣቖጻጽርኡ፡ ኩዕሶ ኣኮባዂባኡ፡ ኣቈራርጽኡ፡ ንኣንጻር መጋጥምቱ ናይ ምሽኻዕ ዓቕሙ፡ ቴክኒካዊ ብቕዓቱ፡ ትሪ ቅልዑ ኮታ ብሓፈሻ፡ እምብዛ ማራኺ ጥበብ ዝመልኦ ኣጸዋውትኡ ንኩዕሶ እግሪ ኢሉ ዝተፈጥረ ናይ ሃገርና ብሉጽ ናይ ኩዕሶ እግሪ ተክኒሽያን እዩ ነይሩ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንዘለዎ ልዑል ቴክኒካዊ ምልከትን ጥበብን ብቐሊሉ ኣብ’ዚ ብጽሑፍ ክትገልጾ የጸግም። ክእለቱ፡ ብርእሰምትእምማንን ጉልበትን ዝተሰነየ ብምንባሩ መላእ ኣፍቓሪ ስፖርት ዞባ ማእከል ብሓፈሻ፡ ዓሚል ስታድዩም ኣስመራ ከኣ ብፍላይ ዘየድንቖ ኣይነበረን። ጋንታ ኣልታሕሪር ክትለዓል ከላ፡ ስሙ ወትሩ ምስኣ ይዝከር።
1970 ኣብ ኣባሻውል ዝተወልደ ኤፍሬም መለስ (ወዲ ኣልጫ)፡ ካብ ናይ ገዛውቲ ሓሊፉ፡ ብስሩዕ መንገዲ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ክዋሳእ ዝጀመረ ኣብ ቤት ትምህርቲ መደበር 5ይ ክፍሊ እናተማህረ ከሎ’ዩ። ኣብ 1985 ምምሕዳርና ኣባሻውል ወኪሉ እውን ተጻዊቱ እዩ። ኣብ ዝቐጸለ ዓመተ 1986 ድማ፡ ኣባ ሻውል ብሓገዝ ኤፍሬም ዋንጫ ዓተረት። ኣብ 1987 ድማ እታ ብዘርኣዮ ብቕዓት ዝተመሰጠት ፖሊስ ኢትዮጵያ (ናይ ዳሕራይ ኣልታሕሪር) ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ምስኣ ጸንቢራቶ።
ምስ ኣልታሕሪር ብርክት ዝበላ ዋናጩ ዝጨበጠ ወደ’ልጫ፡ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ኮይኑ ኣብ ታሪኹ ሓያለ ጐላት ኣብ ርእሲ ምምዝጋቡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓመተ ስፖርት፡ “ኮኾብ ኣመዝጋቢ ሸቶ” ኮይኑ ንሽልማት በቒዑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ሻምፕዮን ዓመተ ስፖርት 98/99 ዘቑጸሮ ብዝሒ ሸቶታት(14)፡ ጋንታታት ቀዳማይ ዲቪዥን ዞባ ማእከል ቁጽረን 10 ክሳብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብሓደ ተጻዋታይ ዝተመዝገበ ዝበዝሐ ሸቶ ኮይኑ ክብረወሰን ሒዙ ኔሩ።
ልዑል ርእሰ ምትእምማን ዝነበሮ ኤፍሬም መለስ ብብሉጽ ኣጸዋውትኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝሃርሞ ናጻ ቅላዓት’ውን ዝተፈልጠ እዩ ኔሩ። ሓደ እዋን ሕቖኡ ንኣንጻር ልዳት መጋጥምቲ ጋንታ ሂቡ ከሎ፡ ንዝመጸቶ ኩዕሶ ኣብ ኣፍልቡ ተቘጻጺሩ፡ ገና መሬት ከይዓለበት ኣብ ኣየር ከላ፡ 180 ዲግሪ ተጠውዩ ከየላበወ ብምህራም፡ ኣብ ልዕሊ ጋንታ ላልምባ (እንዳ ክሻ) ዘመዝገባ ጐል ሓንቲ ካብ ኣዝየን ተዘከርቲ ሸቶታቱ እያ። ኣብ ካልእ እዋን’ውን፡ ኣብ ኣየር ንዝነበረት ኩዕሶ ሓላው ልዳት ምድላው መግቢ ገርግሽ ደበሳይ ብዘይተጸበያ ኣንፈት ብታኬት ዘእተዋ ጐል፡ ካብ ኣእምሮ ኣፍቀርቲ ስፖርት ዘይትሃስስ ድንቂ ጥበብ እያ።
ድልዱል ኣካላዊ ጉልበትን 180 ሰንቲ ሜትር ቁመትን ዝውንን ዝነበረ ኤፍሬም፡ ኩዕሶ ከም ዊንትኡ ንኽእዝዛ ዝተዓደለ ተጻዋታይ ይኹን ደኣ’ምበር፡ ዝያዳ ዝፍለጠሉ ብኣፍልቡ ኩዕሶ ዝቖጻጸረሉ ሜላ እዩ። ኣብ ኣፍልቡ ዝዓለበት ኩዕሶ ብተኣምራት ካብ ሰብነቱ ኣይትፍንተትን እያ። ምናልባት ኤፍሬም ክጻወት ንዘይተዓዘበ ሰብ ምግናን ክመስሎ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኣፍልቡ ማግኔት (ካላሚታ) ናይ ኩዕሶ ከይህሉ ዘጠራጥር እዩ።
ኤፍሬም ከም’ቲ ዝድለ ኩዕሶ ሃለክለኽ ኢሉ ንኸምጽእ ጻዕሪ ዘይገብር’ኳ እንተኾነ (ኣጥቃዓይ ስለዝነኾነ’ውን ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን)፡ ኣብ እግሩ ንዝኣተወት ኩዕሶ ንኽትምንጥሎ ዘሎ ተኽእሎ ግን እምበረመጠን ጸቢብ እዩ። “በየናይ ሸነኽ ክሓልፈካ” እናበለ’ውን ኣምሪጹ ከሽክዓካ ዘይጽገም ተጻዋታይ እዩ ኔሩ። ተኸላከልቲ ኣንጻር ጋንታ ንኽቖጻጸርዎ ኣዝዮም ስለ ዝሽገሩ፡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ልዕሊኡ በደል (foul) ክገብሩ ይግደዱ። ደጋፊ ማን. ዩናይትድ ዝነበረ ኤፍሬም መለስ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ብዙሕ ዘይዛረብ፡ ህዱእን ሕዉስን ይኹን ደኣ’ምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ብስምዒት ስለ ዝጻወት