ኣከፋፋሊ ጋንታ ቀይሕባሕሪን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዝነበረ ተኽለሚካኤል ምስ ኢዮጵያዊት ጋንታ ቡና ገበያ ብ7 ሚያዝያ 2021 ክታሙ ከምዘንበረ ንመርበብ ሓበሬታ'ታ ክለብ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ፋና ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ዩጋንዳ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ኮኾብ ተጻዋታይ ዝተሰምየ ጉልቡት ኣከፋፋሊ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቡ ምስታ ኣብ ፕሪመር ሊግ ኢትዮጵያ ምስ ቀዳሞት እትስራዕ ጋንታ ክዘራረብ ከምዝቐነየ ተፈሊጡ።
ቡና ገበያ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ምስ ክለባት ከፋ ቡናን ደደቢትን ተሰሊፉ ንዝተጻወተ ብትውልዲ ኤርትራዊ ዝኾነ ናትናኤል በርሀ ከምዝጸንበረቶ እቲ መርበብ ሓበሬታ ወሲኹ ሓቢሩ።
ሮቤል ተኽለሚካኤል ኣብ ሴካፋ 2019 ሲነር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንፍጻመ፡ ትሕቲ 20 ዓመት ድማ ንፍርቂ ፍጻመ ክበጽሓ ዝለዓለ እጃም ዘበርከተ ሓያል ተጻዋታይ ማእከል ሜዳ እዩ።
ብዘይካዚ ኣይሰለጦን’ምበር ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ምስ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ናይታ ሃገር እትጻወት ንግዜኡ ስማ ዘይተጠቕሰት ክለብ ኣጣይቓትሉ ከምዝነበረት’ውን ይዝከር።