ኤርትራ ብምሕንባስ ኣብ ኦሊምፒክስ ክትሳተፍ?

ኤርትራ ብመገዲ ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ዜጋኣ ኤፍሬም ግርማይ ኣብ ኦሊምፒክስ ንፈለማ ግዜኣ ብምሕምባስ ክትሳተፍ ኣብ ድርኩዂት በጺሓ ምህላዋ ሃገራዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ኤርትራ ንመርበብ ሓበሬታ ኤሪኖክ ኣፍሊጡ።

ኤፍሬም ግርማይ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ምሕንባስ ዝነኣድ ግዜ ከመዝግብ ከምዝበቕዐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ውጽኢት'ዚ ኣብ ኦሊምፒክስ ክሳተፍ ብዛዕባ ምዃኑን ዘይምዃኑን ርጉጽ ሓበሬታ ምስ ረኸበ ንኤሪኖክ ከፍልጥ ምዃኑ እቲ ፈደረሽን ገሊጹ።

ሓምባሳይ ኤፍሬም ግርማይ ኣብ ናይ 50 ሜትሮ ናጻ ቅዲ ምሕምባስ (freestyle) ዝወዳደር ብቑዕን ህርኩትን ስፖርተኛ ምዃኑ ይንገረሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራዊ ሓንባሲ ዳንኤል ክርስትያን ብዓለማዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ተፈላጥነት ኣብዘለዎ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ውድድራት ምሕምባስ ክሳተፍ ኢዩ።

ሃገራዊ ፈደረሽን ምሕምባስ ኤርትራ ከምዝሓበሮ፡ ዳንኤል ክርስትያን ኣብ ዝነበረላ ዴንማርክን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ዝካየድ ውድድራት ምሕንባስ ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 (ዋላ’ኳ 2021 እንተኾነ፡ በቲ ዓሚ ዝነበሮ ኦሊምፒክስ 2020 ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ዘሎ) ዘሳትፎ መምዘኒ ግዜ (ሚኒማ) ንምምጻእ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ዳንኤል ክርስያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2019 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድር ምሕምባስ ከምኡ’ውን ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኩሉ ዓይነት ጸወታታት ኣፍሪቃን (All African Games) ንሃገሩ ኤርትራ ወኪሉ ተሳቲፉ ምንባሩ ይዝከር።