ኣርባዕተ ኤርትራውያን ማራቶናውያን ናብ ኦሊምፒክስ ቶክዮ ከሳትፎም ዘኽእሎም ሚኒማ (መእተዊ ግዜ) ረኺቦም
ብሰንበት 11 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሴና - ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣብ ማራቶን ኦሊምፒክስ ቶክዮ ከሳትፎም ዘኽእሎም ሚኒማ (መእተዊ ግዜ) ከምዘመዝገቡን ኣትሌት ዮውሃንስ ተኽለገርግስ ዝድነቕ ውጽኢት ከምዘመዝገበን ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ሓቢሩ።
ብመስረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ሓያላት ኣትሌታት ዓለም ዝተኻፈሉዎ ውድድር፡ ዮውሃንስ ገብረገርስ 2.05.28፡ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ 2.07.11፡ ኣብ ማራቶን ንፈለማ ግዜኡ ዝተኻፈለ ሄኖክ ተስፋይ 2.10.08 ከምኡ’ውን ንጉሰ ኣምለሶም 2.10.15 ግዜ ብምምዝጋብ ኣዕጋቢ ውጽኢት ረኺቦም።
ኣብ ማራቶን ኦሊምፒክስ ቶክዮ መሳተፊ ሚኒማ 2.11.30 ብምዃኑ ኣርባዕቲኦም እዞም ዝተጠቕሱ ኣትሌታት ዕዉታት እኳ እንተኾኑ፡ ብሓፈሻኡ ምስቶም ድሮ ሚኒማ ረኺቦም ዝቐነዩ ኣትሌታት ብምድማር ብውሑዱ 12 ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ዘእትዎም ሚኒማ ኣመዝጊቦም ብምህላዎም፡ ካብዚኣቶም ሰለስተ ጥራይ ንኤርትራ ክውክሉ ስለዝፍቐደሎም፡ ኣብ ምምራጽ ኣትሌታት ንኣሰልጠንቲ ኣሸጋሪ ክኸውን ከምዝኽእል ብኣጋኡ ተኣሚቱ ኣሎ።
ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ኦሊምፒክስ ቶክዮ ዘእትዎም ሚኒማ ካብ ዘመጽኡ ኣትሌታት፡ እቶም ንኤርትራ ዝውክሉ ብዘየሻሙ መገዲ ንምምራጽ ዝሕግዝ ረቂቕ ሕጊ ኣጽዲቑ ምህላዉ እቲ ፈደረሽን ኣብሪሁ።