ኤርትራ ብትሕቲ 23 ዓመት ቅ/ብሽክታኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ተሰሪዓ

ኤርትራ ኣብዚ ዓመት'ዚ ትሕቲ 23 ዓመት ዝኾኑ ተቐዳደምታ ብዘዋህለሉዎ ነጥቢ ኣብ ዓለም ኣብዚ ክሊ ዕድመ'ዚ ንፈለማ ግዜኣ ቀዳመይቲ ኮይና ክትስራዕ ከምዝበቕዐት ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ኣብ ዝዘርግሖ ዝርዝር ኣስማት ሃገራት ገሊጹ።

ብመሰረት'ቲ ሓበሬታ ምስ ኤርትራ ምስ 10 ቀዳሞት ተሰሪዐን ካብ ዝርከባ ትሽዓተ ሃገራት፡ ብዘይካ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር ኤኳዶርን ኤስያዊት ጃፓንን እተን ዝተረፋ ሸውዓተ ሃገራት ብምሉአን ሃገራት ኤውሮጳ እየን።

ጀርመን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤኳዶር፡ ዴንማርክ፡ በልጅዩም፡ ኖርወይ፡ ጃፓን፡ ስዊዘርላንድን ላክሰምበርግን እተን ድሕሪ ኤርትራ ተሰሪዐን ዝርከባ ሃገራት ዓለም እየን።