ተስፋይ ገሬሱስ - ብሉጽ ናይ ኣፍሪቃ ዳኛ

ሳምሶን ሃይለ

ኣብ ሚያዝያ 2019 ብምኽንያት ስራሕ ናብ ኣይቮሪኮስት ክገይሽ ኣብ ዘሳልጥ ዝነበርኩ እዋን፡ ምስ ኣቶ ተስፋይ ጌረሱስ ኣብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ተራኺብና ነዊሕ ኣዕሊልና ኔርና። ንሱ'ውን ብምኽንያት ጥዕና ንደገ እዩ ዝገይሽ ነይሩ። ሓሚሙ ምቕናዩ ካብ ኣባላት ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ፈሊጠ ስለዝነበርኩ ኣካላቱ ጎዲሉ፡ ፈጣናትን ጥንኩራትን ኣእጋሩ ድማ ቅልጣፈአን እምብዛ ነክየን ምስ ረኣኹ ብዙሕ ኣይሰንበድኩን። "ሕጂ ደኣ ከምዚ ኢለ ጽቡቕ ረኺብካኒ፡ እምበር ኣዝዩ በርቲዑኒ ነይሩ" ስለዝበለኒን፡ እሞ ኸኣ ንዝያዳ ሕክምና ይገይሽ ስለዝነበረን፡ ሽዑስ ንሞት ኣይሃብኩዎን። እንተኾነ ግን ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ቲቪ ኤረ ተረኛ ኣንባቢ ዜና ኮይነ፡ እታ ዜና ምስ ተቐበልኩዋ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ኣመና ሓዚነ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ዜና ዕረፍቲ ናይቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ስፖርት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ምሳይ ዝሰርሐ ናይ ኣፍሪቃ ብሉጽ ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ተስፋይ ገሬሱስ ባዕለይ ከንብባ ብምብቅዐይ ሓበን ተሰሚዑኒ።

ኣባል ፊፋን ፕረዚደንት ፈደረሽን ኲዕሲ እግሪ ኤርትራን ነበር ኣቶ ተስፋይ ገረሱስ፡ ብ23 ነሓሰ እዩ ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ዓሪፉ። ኣቶ ተስፋይ፡ ከም ኢንተርናሽናል ዳኛ፡ ኢንስትራክተር ዳንነት ፊፋን ካፍን ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ብምዃን፡ ንልዕሊ 50 ዓመት ዝሰርሐ ህቡብ ስፖርተኛ እዩ። ንልዕሊ 22 ዓመታት ብኢንተርናሽናል ዳንነት ዘገልገለ ኣቶ ተስፋይ፡ ኣብ 1970 ከምኡ’ውን ኣብ 1980 ግጥማት ፍጻሜ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 1978 ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ 1984 ድማ ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ - ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ኣብ ዝተኣንገደ ውድድራት ኦሎምፒክስ ብብቕዓት ዝዳነየ፡ ካብ ውሩያት ኢንተርናሽናል ደያኑ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ’ዩ ነይሩ። ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ጸወታታት ዝዳነየ ተባሂሉ'ውን ሪከርድ ጨቢጡ ዘሎ እዩ።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ትንሳኤን ምሕደራን ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝነበሮ ኣቶ ተስፋይ፡ ኣብ መወዳእታ መዋእል ስርሑ፡ ኣባል ኮሚተ “እሩም ጸወታ ፊፋ” ብምዃን’ውን ሰሪሑ’ዩ። ንዕቤት ስፖርት ኲዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብዝገበሮ ኣበርክቶ’ውን ኣብ 2012 ካብ ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ ዝለዓለ ኒሻን ተሸሊሙ እዩ።

ኣብዚ ኤርትራ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ዳግማይ ክተበራብሮ ብምሉእ ዓቕማ ነቒላትሉ ዘላ መድርኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ብደረጃ ኣፍሪቃን ዓለምን ፍሉጥ ዝኾነ ምኩር ስፖርተኛ ክትስእን እንከላ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ካብ ተመኩሮታቱን ሕሉፍ ታሪኹን ክንግንዘብ ክኢልና ኣሎና። ይኹን’ምበር ንሱ ንዝገደፈልና ሰረት ተኸቲልና ኣበርቲዕና እንተሰሪሕና ክንዕወት ዘይንኽእለሉ ምኽንያት የለን። ንቤተሰቡን ማሕበረሰብ ስፖርት ኤርትራን ኣፍሪቃን ጽንዓት ብምምናይ ድማ ንሕጂ እሰናበት።