ኣብ ኤንኤን ማራቶን ጎይቶኦም ክፍለ 3ይ፡ ህዝቅኤል ተወልደ ምስ ቀዳሞት 10 ኣትዮም

ብሰንበት ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝተኻየደ ብኤንኤን ማራቶን ኣብ ዝፍለጥ ውድድር ማራቶን ኣትሌት ጎይትኦም ክፍለ ብ2.08.07 ግዜ ሳልሳይ ኮይኑ ከምእተዓወተ ለትስ ራን ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ጎይትኦም ካብቲ ኣብ ውድድር ማራቶን ኣብ ዓለም ሪከርድ ሒዙ ዝርከብን ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተን ኬንያዊ ኢሉድ ኪፕቾገ ብ3 ደቒቕን 23 ካልኢትን ድሒሩ እዩ ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ።

ኣብቲ ውድድር ኤርትራዊ ኣትሌት ህዝቄል ተወልደ ብ2.10.07 ግዜ ታሽዓይ ደረጃ ኪሕዝ እንከሎ፡ ክልቲኦም ኣትሌታት ኣብ ኦሊምፒክስ ቶክዮ ኣብ ማራቶን ከሳትፎም ዘኽእሎም ሚኒማ ከመዝግቡ በቒዖም ኣለዉ።

ኣብቲ ውድድር ካብ ቀዳማይ ክሳብ 10ይ ኮይኖም ናይ ዝተዓወቱ ስም ዝርዝርን ግዜን እንሀ

  1. Kipchoge, Eliud (KEN)–1–02:04:30
  2. Korir, Jonathan (KEN)–6–02:06:40
  3. Kifle, Goitom (ERI)–7–02:08:07
  4. Kacheran, Philemon ()–P2–02:08:47
  5. Kiprotich, Stephen (UGA)–5–02:09:04
  6. Kusuro, Geoffrey (UGA)–8–02:09:53
  7. Sang, Mathew (KEN)–11–02:09:54
  8. Chemonges, Filex (UGA)–2–02:09:59
  9. Tewelde, Hiskel (ERI)–9–02:10:07
  10. Chabowski, Marcin (POL)–16–02:10:17