ብኻልድ ሓሰን
ምስ ፕሮፌሽናል ጋንታታታቶም ተሓቚፎም ንዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ውድድራት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣተባባዒን ብሉጽን ውጽኢታት ኣብ ምምዝጋብ ይርከቡ።
በዚ መሰረት ምስ ማሌዥያዊት ክለብ ተረንጋኑ ዝስለፍ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መትከል ኢዮብ ኣብ 2.2 ነጥቢ ደረጃ ዘለዎ ውድድር ዙር መቭላና ቱርኪ ሻድሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣብቲ ሓያሎ ፕሮፌሽናል ጋንታታት ዝተሳተፋኦን ካብ 1-4 ሚያዝያ ዝቐጸለን በዳሂ ውድድር፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መትከል ኢዮብ ካብ ናይ ዝሓለፈ መድርኻት ዙርያታት ዝበለጸ ውጽኢት እናመዝገበ ካብ ቀዳማይ ዝወጸ ተቐዳዳማይ ጋንታ ስፖር ቶቶ ሳይክሊን - ኣናቶሊይ ቡድያክ ብ 48 ካልኢት ድሒሩ’ዩ ብሉጽ ውጽኢት ከመዝግብ ክኢሉ ዘሎ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ክልተ ውድድራት ብተኸታታሊ ናይ ታሽዓይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣብቲ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ኮል ሳን ማርቲኖ ብ4 ሚያዝያ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደን ናይ 1.2 ነጥቢ ዘለዎን 171 ኪሎሜተር ሸፊኑ ዝተኻየደን መበል 72 ትሮፈው ፒዛ ውድድር፡ ብዓወት ተቐዳዳማይ ጋንታ ኮፓክ ባልታን ሁዋን ኣዩሶ ዝተዛዘመ ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኮቤካ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ዕዉት ብሓደ ደቒቕን ዓሰርተ ካልኢትን ድሒሩ ምስ ቀዳሞት 10 ኣትዩ።
ኣብዚ ውድድር፡ ምስ ሄኖክ ዝተሳተፈ ወዲ ጋንትኡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዮሃንስ ገብረሂወት ንዝተመደበሉ ውድድር ኣይዛዘመን። ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉብርሃን ብዘይካ’ዚ ብ5 ሚያዝያ’ውን 166.8 ኪሎሜተር ሸፊኑ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 1.2 ነጥቢ ዘለዎ መበል 82 ጂሮ ደል በልቨደረ ተመሳሳሊ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር፡ ካብ ዕዉት ተቐዳዳማይ ጋንታ ኮፓክ ባልታን ሁዋን ኣዩሶ ብ 32 ካልኢት ድሒሩ 9ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድር ምዝዛሙ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ተቐዳደምትና ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ጋንታታቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኤስያን ዘካይድዎ ዘለዉ ኣህጉራዊ ውድድራት ነቲ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ጃፓን ክእንገድ ትጽቢት ዝግበረሉ ውድድር ኦሊምፒክስ ቶክዮ 2020 ተወዳዳሪ ብቕዓት ሒዞም ንኽቐርቡ ሓጋዚ ናይ ምድላው ዕድልን ባይታን ከምዝፈጥረሎም ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሳምሶን ሰለሙን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።