ካልድ ሓሰን
ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ ሰኪዔት ኤርትራን ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ ሰኪዔትን፡ ብዝትካእ ደም ዘይትትካእ ሂወት ንምድሓን፡ ወለንታዊ ልግሲ ደም ኣካዪዶም።
እቶም ስፖርተኛታት ብ26 መጋቢት ናብ ሃገራዊ ባንክ ደም ኤርትራ ብምምጻእ ዝለገስዎ ደም 23 ከረጺት’ዩ።
ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ኤርትራን ሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ ሰኪዔትን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብኸም’ዚ ጥርኑፍ መልክዕ ክልግሱ ፋልማዮም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ትሕዝቶ ሃገራዊ ባንክ ደም ንምስሳን፡ ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ስጒምቲታት ከምዝወስዱ ገሊጾም።
ኣባል ሃገራዊ ባንክ ደም - ተሓጋጋዚ ነርስ ሱሌማን በርሀ ብወገኑ፡ ዝተለገሰ ደም ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ምድሓን ሂወት ውጹዓት ወገናት ልዑል ተራ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ንኣበርክቶ ወለንታውያን ለገስቲ ደም ሞጒሱ።
ካብ 20 ክሳብ 26 መጋቢት፡ ኣብ ኣስመራ ብድምር 224 ከረጺት ደም ከምእተለገሰ፡ ካብ ሃገራዊ ባንክ ደም ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።