ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ ሰኪዔት ኤርትራ ምስ ሚኒስትሪ ዜና ብምትሕብባር ኣብቲ ዓውዲ ንዝንጥፉ ጋዜጠኛታት ስፖርት መባእታዊ ፍልጠት ንምቕሳም ዝዓለመ ስልጠና ሂቡ።
እቲ ኣብ ቐጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ብቕንዱ ኣብ ቴክኒካዊን ታክቲካዊውን ኣገባባት ጸወታ ኲዕሶ ሰኪዔት፡ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ኣህጉራውያን ውድባት ዘተኮረ ኮይኑ፡ ዳንነት ዘጠቓለለ ምንባሩ ድማ ተፈሊጡ።
እቲ ኣስተምህሮ ን16 ናይ ስፖርት ጋዜጠኛታት ብመልክዕ ክልሰ-ሓሰባዊ መዳይ ኪወሃብ እንከሎ፡ ሰልጠንቲ ብሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ ሰኪዔት ዝተዳለወ ወረቐት ምስክር ካብ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል’ቲ ፈደረሽንን ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜናን ተቐቢሎም።