ጉዕዞ 30 ዓመት ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ኤርትራ

 

ፕረዚደንት ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ኤርትራ ኣቶ ልኡል ፍስሃየ ንጉዕዞ 30 ዓመት ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ኣብ ኦሊምፒክስ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብዛዕባ ዝተረኽበ ዓወታት ብዝምልከት ምስ መርበብ ሓበሬታ ኤሪኖክ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ እንሆ

  1. ብዛዕባ መበቈልን ኣቃውማን ኦሊምፒክስ እንታይ ትብለና

 

  • ሐራይ ጽቡቕ። ኣብዚ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብዛዕባ ንጥፈታት ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ምላሽ ንምሃብ ስለዝዓደምኩምኒ አመስግን። እዚ መደብ’ዚ ምስቲ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ቶክዮ - ጃፓን ዝእንገድ ኣህጉራዊ ውድድር ኦሊምፒክስ ምግጣሙ፡ ንዓና ንሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ብፍላይ፡ ንሃገርና ድማ ብሓፈሻ ድርብ ጽምብል ኮይኑና ኣሎ። ምኽንያቱ ኤርትራ ብኽልተ ዓይነታት ስፖርት ኣብዚ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ስፖርታዊ ውድድር ክትካፈል ምድላዋት ኣብ ምክያድ ትርከብ ብምህላዋ
  • ናብ ሕቶኻ ክመጽእ። እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። ግዜኻ መታን ከይበልዓልካ ግና ኣሕጽር ኣቢለ ክምልሰልካ ክፍትን። ኦሊምፒክስ ብሓፈሻኡ ጥንታውን ዘመናውን ተባሂሉ ኣብ ክልተ እዩ ዝኽፈል።
  • ጥንታዊ ኦሊምፒክስ ካብ 776 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 4ይ ክፍለዘመን ድሕሪ ል.ክርስቶስ ኣብ ኦሊምፕያ - ግሪኽ ዝእንገድ ዝነበረ ስፖርታዊ ውድድራት እዩ።
  • እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ብዘመናዊ ኦሊምፒክስ ዝፍለጥ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ዓመት ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር እዩ። ዘመናዊ ኦሊምፒክስ ምስ ምምስራት ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ተኣሳሲሩ ዝርአ ኮይኑ፡ ብሓድሽ ውዳበን ስፍሓትን ኣብ 1894 ኣብ ስዊዘርላንድ - ከተማ ሉዛን ተመስሪቱ።
  • ኣብ 1996 ድማ ውድድራት ኦሊምፒክስ ኣብታ መበቈል ኦሊምፒክስ ዝኾነት ግሪኽ፡ ኣብ ከተማ ኣቴንስ ተጀሚሩ። እዚ፡ እቲ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝካፈላኦ ዝዓበየ ክፋል ኦሊምፒክስ እዩ። ብኦሊምፕክስ ሓጋይ ዝፍለጥ ውድድር ድማ ኣብ 1924 ኣብ ኣብ ፈረንሳ ጀሚሩ። እዚ ናይ ሓጋይ ውድድር ኣውራ እተን ኣብ ግዜ ሓጋይ ብበረድ ዝሽፈና ሃገራት ብብዝሒ ዝካፈላኦ እዩ። ኤርትራ ዋላ’ኳ ብመዳይ ክሊማን ጂኦግራፍን ብቐጥታ ዘይትተኣሳሰር እንተኾነ፡ ኣብ ካናዳ ብዝቕመጥ ዜጋኣ ኣቢላ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፈላሚ ሱታፌኣ ኣረጋጊጻ እያ። ንኹለን ሃገራት እቲ ዕድላት ብማዕረ እዩ ዝጸልወን።
  • ኣብዚ እዋንዚ ንኤርትራ ሓዊስካ 206 ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ተሓቚፈን ኣለዋ።  
  • ካልእ፡ ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ኣብ 2009 ኣባልነት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝረኸበ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ስፖርታዊ ትካል እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዝግበር ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ’ቲ ውድብ ድማ ይሳተፍ እዩ። እዚ ኣብ ብዙሕ መዳያት ነቲ ማሕበር ሓጋዚ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

 

  1. ኤርትራ መዓስን ብኸመይን ኣገባብ እያ ኣብ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ተጸንቢራ ክትሳተፍ ጀሚራ

 

  • ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ስፖርት ማለት ኣብ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣትለቲክስ፡ ብሽክለታ ወዘተ ዋላ’ውን ብደረጃ ሃገራዊ ፈደረሽናት ዝቖማ ኮሚቴታት ስፖርት ኣብ ዘይነበራሉ ፈለማ ናይ ናጽነት ዓመታት እንተወሓደ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝቐንዐ ስፖርታዊ ውድድራት ይካየድ ነይሩ እዩ። እተን ሃገራውያን ፈደረሽናት ካብ 1996 ኣትሒዘን ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበራት ክጥርነፋ ምስ ጀመራ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ናይ ምክፋል ዕድል ተኸፊቱለን።
  • ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ግና ከምዚ ዓይነት ዕድል ኣብ ፈለማ ናጽነት ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ንጥፈታቱ ብቐንዱ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዘይኮነስ ናብ ወጻኢ - ናብ ንጥፈታት ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ዝቐንዐ ብምዃኑ፡ ኦሊምፒክስ ኣብ ሓራ ኤርትራ ናይ 30 ዓመት ታሪኽ ዘይኮነ፡ ናይ 20 ዓመት ታሪኽ እዩ ዘለዎ ክበሃል ይከኣል። ካብቲ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ዝተመዝገበትሉ ዓመተ 1998 እዩ ኣሃዱ ኢሉ ዝፍልም - ታሪኽ ኦሊምፒክስ ኣብ ናጻ ኤርትራ። ኣቐዲሙ ምድላዋቱ ንምጽፋፍ መታን ኪጥዕሞ ግና ኣብ 1996 እዩ ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ቈይሙ።
  • ንኤርትራውያን ስፖርተኛታት ግና ብርግጽ፡ ኦሊምፒክስ ኣውራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ሓድሽ ኣይኮነን። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ነታ ንዓኣ እትገዝእ ዝነበረት ኢትዮጵያ ካብ 1960ታት ኣትሒዞም ብምውካል ኣብ ኦሊምፒክስ ክሳተፉ ጀሚሮም እዮም።
  • ኤርትራ ኣባል ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ክትከውን እንተኾይና፡ ብውሑዱ ብሓሙሽተ ዓይነታት ስፖርት ኣብ ኣህጉራውያን ፈደረሽናት ክትጽንበር ነይሩዋ። ብኡ መሰረት ድማ ኩዕሶ እግሪ፡ ቅድድም ብሽክለታ፡ ኣትለቲክስ፡ ኩዕሶ ሰኪዐትን ኩዕሶ መርበብን ካብ 1996 ክሳብ 1998 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣባልነት ኣህጉራዊ ፈደረሽናት ምስ ረኸባ፡ ኤርትራ ድማ ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያል ጻዕሪ ኣብ 1998 ኣባል ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ኮይና።

 

  1. ኤርትራ መዓስ እያ ኣብ ውድድራት ኦሊምፒክስ ተኻፊላ። ሱታፌን ውጽኢትን’ዛ ሃገር ኣብ ዝሰዓበ ኦሊምፒካዊ ውድድራትከ?

 

  • ኤርትራ ኣብ ክራማት 1996 ኣብ ኣትላንታ (ሕ/መ/ኣመሪካ) ክካየድ ኣብ ዝተመደበ ውድድር ኦሊምፒክስ እያ ክትካፈል ፈላሚ ምንቅስቓስ ኣካዪዳ። ኣብቲ ውድድር ዝካፈሉ ክልተ ተቐዳደምቲ ማለት ዮናስ ዘካርያስን በረኸት ዘርአን ተመሪጾም ስሩዕ ልምምዶምን ምድላዋቶምን ወዲኦም ነይሮም። እንተኾነ ከምቲ ዝጠቐስክዎ ኣባልነት ኤርትራ ኣብ ሓሙሽተ ዓለማውያን ፈደረሽናት ስፖርት ብኣጋ ኣይተረጋገጸን ብምንባሩ፡ ሱታፌ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ክወሓስ ኣይተኻእለን።
  • ድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ ውድድር ኦሊምፒክስ ሲድኒ ግና፡ ድሮ ኣባል ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ኴንና ስለዝነበርና ናይ ምስታፍ ዕድል ተራሕዩልና።
  • በዚ መሰረት ኤርትራ ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብ ኣውስትራልያ፡ ከተማ ሲድኒ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሊምፒክስ ንፈለማ እዋን ወግዓዊት ተሳታፊት ኮይና፡፡ ኣብዚ ዓለማዊ ውድድር’ዚ ብዓውዲ ኣትሌቲክስ ሰለስተ ኣትሌታት ኣሳቲፋ። ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣነስተይትን።
  • ኤርትራ ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ - ግሪኽ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሊምፒክስ ንኻልኣይ ግዜኣ ተሳቲፋ። ብዝያዳ ውዳበን ምድላዋትን ሓይላ ብምቕራባ ድማ ብመገዲ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣቢላ ኣብ ውድድር 10,000 ሜትሮ ተዓዋቲት ሜዳልያ ነሓስ ክትከውን ክኢላ። እዚ ዓወት’ዚ ከኣ ኣብ እዋኑ ከምቲ ምስረታ ውድድር ኦሊምፒክስ ንግሪኻውያን ናይ ዋንነትን ሞራልን ተስፋን ስምዒት ዝፈጥረሎም፡ ንኤርትራውያን ድማ ብሓፈሻ ሞራልን ፍናንን፡ ንተካእቲ መንእሰያት ስፖርተኛታት ድማ ብኣውራኡ ዕቑር ዓቕሞም ዘርእዩሉን ዝብርብሩሉን ባይታ’ዩ ፈጢሩ።
  • ኣብ በጂን - ቻይና ኣብ ዝተኻደ ኦሊምፒክስ 2008 ኤርትራ 9 ኣትሌታት ሒዛ ብምክፋላ ኣብ ታሪኽ ሱታፌኣ ኣብ ኦሊምፒክስ ብብዝሒ ኣትሌታት ዝበዝሐ ነይሩ።
  • ኣብቲ እዋን ኣነ ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ብምንባረይ ጽቡቕ ገይረ እዝክሮ እየ። ካብኣቶም ክልተ ደቀንስትዮ ማለት ነብያት ሃብተማርያም ኣብ ማራቶን ስምረት ሱልጣን ድማ ኣብ 5000 ተኻፊለን። ጽቡቕ ዝርግሐ ዝነበሮ እዩ ክበሃል ይከኣል። ብመዳይ ውጽኢት ዋላ’ኳ ኣብ መዳልያ ኣይእተዉ ዘተባብዕ ነይሩ። ኣትሌት ያሬድ ኣስመሮም ኣብ ማራቶን ሻሙናይ ደረጃ ምሓዙ ከም ከፋቲ በሪ ንማራቶን ክበሃል ዝከኣል ነይሩ። እንተኾነ ብሓደ ዓይነት ውድድር ማለት ብኣትለቲክስ ጥራይ ስለዝተሳፍና፡ ኣብ ካልኦት ዓይነታት ስፖርት ዝያዳ ጸቒጥና ክንሰርሓሉ ከምዘለና ትምህርቲ ዘቕሰመና ነይሩ።
  • ብኡ መሰረት ድማ ኣብ ኦሊምፒክስ ለንደን 2012 ኣብ ርእሲ ኣትለቲክስ፡ ብቕድድም ብሽክለታ’ውን ክንካፈል በቒዕና። ኣብ ክልተ ዓይነታት ስፖርት ንፈለማ ግዜና ኣብ ኦሊምፒክስ ምክፋልና ብሓቂ ከም ጽቡቕ ገስጋስ ክጥቀስ ዝግብኦ እዩ። ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት እዩ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዝተኻፈለ።
  • ኦሊምፒክስ 2016 ሪዮ ዲጀነሮ ብራዚል እዩ ተኻዪዱ። ኣብዚ ድማ ብቕድድም ብሽክለታን ብኣትለቲክስን ተሳቲፍና። ሽዑ’ውን ኣጋጣሚ ኮይኑ ነታ ናይ ኣትለቲክስ ሃገራዊት ጋንታ ሒዘያ ተኻፊለ ነይረ። ኣብዚ ውድድርዚ ዝካፈሉ ሚኒማ ዘምጽኡ ኣትሌታት ብብዝሒ ተራእዮም። ኣብ ማራቶን ጥራይ 15 ኣትሌታት ነይሮም። ካብዚኦም ንኤርትራ ዝውክሉ ሰለስተ ኣትሌታት ምምራጽ ድማ ከቢድ ነይሩ። ብመዳይ ውጽኢት ግርማይ ገብረስላሴ ኣብ ማራቶን ራብዓይ ምሓዙ ዝነኣድ እዩ።
  1. ኣብዚ ሎሚ ዓመት ኣብ ጃፓን ዝካየድ ውድድር ኦሊምፒክስ ከ?
  • ኣብ 2020 ኣብ ቶክዮ ጃፓን እዩ ክካየድ እዩ እቲ መደብ ነይሩ። ምናልባት ብሰንኪ ኮቪድ ኣብ 2021 ተሰጋጊሩ ኣሎ። ግና ብኦሊምፒክስ ቶክዮ 2020 እዩ ዝፍለጥ ዘሎ። ኩሉ’ቲ ምድላዋት ብኸምኡ ስለዝተዋደደ፡ ምቕያሩ ኣይተኻእለን፣ ኣድላዪ ኮይኑ’ውን ኣይተረኽበን።
  • ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ኮታ ረኺብና ኣሎና። ብሸነኽ ደቂ ተባዕትዮ ብጠቕላላ ሰለስተ ክነሳትፍ ኢና። እቶም ክልተ ካብዚኦም ኣብ ናይ ጽርግያ፡ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ናይ ግዜ (time trial) እዮም ኪወዳደሩ። ብናይ ደቀንስትዮ’ውን ሓደ ኮታ ረኺብና ኣሎና። ኣብ ደቀንስትዮ ንፈለማ ግዜና ኢና ክንካፈል። ብመዳይ ብዝሒ ተወዳደርቲ’ውን ኤርትራ ሎሚ ዝበዝሑ ተቐዳደምቲ ክተሰልፍ እያ። ብኽልቲኡ ጾታ ኣርባዕተ ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ እዩ ብተዛማዲ።
  • ብዙሓት ካብ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ሃገርና ምስ ብሉጻት ናይ ዓለምና ክለባት ተሰሊፎም ዝጻወቱ ምስ ምዃኖም፡ ኣብ ምምራጾም ጥንቃቐ ከምዝሓተና ብኣጋኡ ተገንዚብናዮ ኣለና። ብቐንዱ ሃገራዊ ቅድድም ብሽክለታ ምሳና እናተረዳድአ ይነጥፈሉ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ዝተመርጹ ተቐዳደምቲ ምስ ተጻረዩ ድማ ከም ናይ ኣትሌቲክስ ብወግዒ ክገልጽር ኢና።
  • ኣብ ኣትለቲክስ’ውን ከምኡ ኣብ ክልቲኡ ጾታታትን ኣብ ዝተፈላለየ ክሊታት ዕድመን ክንካፈል ምድላዋትና ነጻፍፍ ኣለና። ኣብዚ እውን ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ምሳና እናተረዳደአ ብቑዓት ኣትሌታት ንምምራጽ ይነጥፍ ኣሎ።
  1. ስፖርተኛታት መንእሰያት ኣብ ኦሊምፒክስ ብዛዕባ ዘሎ ሱታፌን ውጽኢትንከ?
  • ብሓቂ ጽቡቕ ሕቶ ኢኻ ሓቲትካኒ። ብዙሕ እዋን ብዛዕባ ኦሊምፒክስ ክንዛረብ ከለና ብዛዕባቲ ዓበይቲ ስፖርተኛታት ዘካይድዎ ውድድር ኢና እነድህብ። ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ብደረጃ ክሊ ዕድመ ንመንሰያት ዝውክል ርእሱ ዝኸኣለ ውድድር ሰሪዑ የካይድ ምዃኑ ግና ተኸታተልትና ክግንዘቡልና ንደሊ። ኦሊምፒክስ መንእሰያት {Youth Olympics} ተባሂሉ ድማ እዩ ዝፍለጥ።
  • እዚ ኦሊምፒክስ መንእሰያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ ተካእቲ ስፖርተኛታት ንምፍራይን ንመንእሰያት ንምትብባዕን ዝዓለመ እዩ። ኣብዚ ውድድር’ዚ ኤርትራ ወናኒት ወርቂ መዳልያ እያ። ኣብ 2010 ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ኣብራር ዑስማን ኣብ ኦሊምፒክስ መንእሰያት ኣብ 3000 ሜትሮ ወርቂ መዳልያ ዝዓተረ ስፖርተኛ እዩ። ኣብራር ብኡ ኣቢሉ ኣብ 2012 ከምኡ’ውን ኣብ 2016 ኣብ ናይ ዓበይቲ ውድድር ኦሊምፒክስ ንኤርትራ ወኪሉ ክሳተፍ ዘብቅዖ ድሕረ-ባይታ እዚ ኣብ ሲንጋፖር ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተሉ ውድድር እዩ።
  • እቲ ብዙሕ ግዜ ዘይጥቀስ፡ ግና ድማ ዓቢ ዓወት ዝቑጸር ኤርትራ ኣብ ውድድር ኦሊምፒክስ መንእሰያት ብሓደ ወርቅን ሓደ ነሓስ መዳልያን ካብተን 204 ኣብዚ ውድድርዚ ዝካፈላ ሃገራት ዓለምና መበል 48 ተርታ ሒዛ ምህላዋ እዩ።
  1. ከምዚ ክትጠቕሰለይ ዝጸናሕካ፡ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዓይነታት ስፖርት ማለት ኣትለቲክስን ብሽክለታን ጥራይ እያ ኣብ ኦሊምፒክስ ክትካፈል ጸኒሓ። ኣብ ካልኦት ዓይነታት ስፖርትከ?
  • ኣብ ኦሊምፒክስ ኣይኮነንዶ ብብዙሕ ዓይነት፡ ብሓደ ዓይነት ስፖርት ናይ ምክፋል ዕድል ዘይረኽባ ሃገራት ብ10ታት ዝቑጸራ ምዃነን ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ኤርትራ ብኽልተ ዓይነታት ስፖርት ክትካፈል ምብቃዓ ከም ዓቢ ገስጋስ ክርአ ዝግብኦ እዩ። ብመዳይ ውጽኢት እንተረኣና’ውን፡ ካብዘን ኣብ ኦሊምፒክስ ዝተጠርነፋ ልዕሊ 200 ሃገራት ዓለም፡ እተን ትሕቲ ፍርቂ ማለት እተን 40% ጥራይ’የን ብዝኾነ ዓይነት ስፖርት መዳልያ ክሕዛ በቒዐን። ኤርትራ ሓንቲ ካብዚኣተን እያ። እተን ልዕሊ 60% ማለት ልዕሊ 120 ሃገራት ዓለም ዛጊት ብዝኾነ ዓይነት ስፖርት መዳልያ ረኺበን ዘይፈልጣ እየን።
  • ይኹን’ምበር ንሕና ኪንዮ ኣትለቲክስን ብሽክለታን ኣብ ካልኦት ዓይነታት ስፖርት ንኽንሳተፍን ዝሓሸ ዓወታት ክነምጽእን’ውን ጻዕርታት ክነካይድ ዘይግባኣና ኣይኮነን። ኩለን ሃገራውያን ፈደረሽናት ድማ ክጽዕታሉ ከምዘለወን መምርሒታት ንህብ ኢና።
  • ብተወሳኺ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡን ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ኦሊምፒክስን ካልኦት ኣህጉራዊ ውድድራትን ክሳተፉን ዝደልዩ ስፖርተኛታት ነናዲ ኢና። ሕቶ እንተቕሪቦምልና’ውን ነተባባዖም ኢና።
  • ኣብ ዝሓለፈ ኦሊምፒክስ ሓጋይ ንኣብነት ሻኖን ዑቕባይ ዝተባህለ ዜጋ፡ ኣብ ናይ በረድ ምንሽርታት ውድድር ማልያ ኤርትራ ለቢሱ ኣብ ኦሊምፒክስ ተኻፊሉ እዩ። እዚ ዓቢ ዓወትን ስምን እዩ። ኣፍሪቃ ብሙቐት ዝተዓብለለን በረድ {snow_} ዘይብሉን ብምዃኑ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ በረድ ምንሽርታት ውድድር ተኻፊላ እትፈልጥ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር - ጌጋ ደኣ ይኽልኣለይ እምበር ዳርጋ ኤርትራ እያ ናይ ፈለማ ክብል እኽእል እየ።
  • ካልእ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኦሊምፒክስ ቶክዮ 2020 ንኤርትራ ወኪሎም ክሳተፉ ዝጽዕሩ ዘለዉ ክልተ ሓምበስቲ’ውን ኣለዉ። ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ኤፍሬም ግርማይ ዝበሃል ንኣብነት ሚኒማ ኣምጺኡ ማልያ ኤርትራ ወድዩ ንኽወዳደር ኣብ ድርኩኺት በጺሑ ኣሎ - ምናልባት ውጽኢቱ ኣይበጽሓናን እምበር ዳርጋ ናይ ምክፋል ዕድሉ ዘውሓሰ ይመስል። ኣረጋጊጸ ክነግረካ እየ።
  • ካልእ’ውን ዳኒኤል ክርስትያን ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣቐዲሙ ኣብ ኦላፍሪካን ገየምስ - ኣብ ሞሮኮ ንኤርትራ ወኪሉ ዝተወዳደረ እዩ - ሚኒማ ናይ ምሕንባስ ንኸምጽእ ዝጽዕርን ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ዝካየፈልን ዘሎ እዩ። እዚ ድማ በቲ ሓደ ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ሃገራውነቶም ዝያዳ ከበርኹ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ኤርትራ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ብስፖርት ንኽትፍለጥ’ውን ኣዝዩ ሓጋዚ ብምዃኑ ክድፍኣሉን ብዝተወደን ዝተጸንዐን ኣገባብ ንምዕባዩ ክንሰርሓሉ ዘለናን እዩ።

        የቐንየልና ኣቶ ልኡል