ብ’ኣቦ ኣትሌቲክስ’ ዝጽዋዕን ሓደ ካብ ቀዳሞት መስረትቲ ፈደረሽን ስፖርት ኣትሌቲክስ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ገ/ማርያም ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ዓሪፉ።
ካብ ፈለማ ምስረታ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ጀሚሩ ንንጥፈታት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራ እውን ዝኣለየ ኣቶ ብርሃነ፡ ኣብ እዋን ሓላፍነትን ድሕሪኡን ኣብ ዝነበረ ናይ ስራሕ ዓመታቱ ካብ 1999 ክሳብ 2008 ከም ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ድሒሩ ድማ ከም ጸሓፊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ኤርትራውያን ኣትሌታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ተሰጋጊሮም ስሞምን ስም ሃገሮምን ከጸውዑ ኣብ ምድራኽብ ደረጃ ዕቤት ኣትሌቲክስ ኤርትራን ንጥፈታት ኮሚቴ ኦሎምፒክን ክዓቢ ዕዙዝ ኣበርክቶ ምግባሩ ይፍለጥ።
ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራን ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራን ብዕረፍቲ ኣቶ ብርሃነ ገብረማርያም ዝተሰሞዖም ዓሙቕ ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራቤቱን ቤተሰብ ስፖርትን ጽንዓት ይምነዩ።