ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራ ካብ 30 ሚያዝያ ክሳብ 1 ግንቦት 2021 ኣብ ካምፓላ(ኡጋንዳ) ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማህበራ ኮሚቴ ኦሊምፒክ ዞን-5 ( ANOCA ZONE-5) ተሳቲፉ።
ኣብቲ ዝተኻየድ ጉባኤ፡ ንጥፈታት ኮሚቴታት ኦሊምፒክ እቲ ዞናን ዘካየዶም ንጥፈታት፡ መጻኢ መደባት ከምኡ’ውን ንውድድር ኦሊምፒክ ቶክዮ ክካየድ ዝግባኦ ምድላዋት ዝገምገመ ርክባት ክካየድ እንከሎ ምርጫ ሓድሽ ፕረዚደንት እውን ተኻይዱ’ዩ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኣኤርትራ ኣቶ ልኡል ፍሰሃየ እቲ ጉባኤ ዕዉት ምንባሩ ብምጥቃስ እቲ ኣጋጣሚ ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኤርትራ ምስ ኣባል ማሕበራት እቲ ዞና ዝኾና ሃገራት ምስ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝሕግዙ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘተኮረ ክልተኣዊ ርክባት ከካየድ ዕድል ዝፈጠረ ኣጋጣሚ ምንባሩ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ነቲ ዞባዊ ማሕበር ንዝመጽእ ዓመታት ዝመርሕ ፕረዚደንት ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ድማ ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስ ንምስራዊ መዘናኡ ብምብላጽ ክዕወት እንከሎ፡ ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ኣቶ ልኡል ፍሰሃየ ኣባል ቦርድ’ቲ ማሕበር ኦሊምፒክ ኣኖካ ዞን-5ክኸውን ተመሪጹ ኣሎ።