ኤርትራ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት) ካብ 26 ክሳብ 30 ሚያዝያ ንመዳለዊ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝዓለመ ብኮንፈደረሽን ቸስ ኣፍሪቃ ዝተወደበ ውድድር ተሳቲፋ። ኤርትራ ብኽልተ ተጻወትቲ ማለት ፕሮፈሽናል ክብሮም ወልደገብረኤልን ሳሙኤል መርሃዊን ኣቢላ ኣብ ምድብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተወዳዲራ።
ሳሙኤል መርሃዊ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ዝሳተፍ ዘሎ ተጻወታይ ኮይኑ፡ ኣብዚ ን9 ዙርያታት ዝቐጸለ ውድድር 3.5 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ። ፕሮፈሽናል ተጻወታይ ቸስ ክብሮም ወልደገብርኤል ድማ 3 ነጥቢ ሓፊሱ።
ኤርትራ ኣብዚ ብፈደረሽን ቸስ ዓረብን ኮንፈደረሽን ቸስ ኣፍሪቃን ዝተወደበ ኣህጉራዊ ውድድር ዓረብ - ኣፍሪቃ ሻምፒዮን ቸስ ከምኡ’ውን ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ቸስ ኮለጃት ከም ዝተሳተፈት ይፍለጥ።
ብኻልእ ወገን ካብ 17 ክሳብ 28 ግንቦት 2021 ኣብ ሊሎንግወ - ማላዊ ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም መጻረዪ ብውልቂ ውድድር ቸስ ኣፍሪቃ፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ክሳተፉ ኢዮም።
ንሳቶም ድማ ሳሙኤል መርሃዊ፡ ክብሮም ወልደገብረኤልን ሚለና ዳኒኤል ምዃኖም ፈደረሽን ቸስ ኤርትራ ሓቢሩ።
ኣብዚ ውድድር ውርያት ግብጻውያንን ኣልጀርያውያንን ተጻወትቲ ክህልዉ ትጽቢት ይግበር።