ስልጠና ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ተዋሂቡ

ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ኣብ ዞባ ማእከል ንዝርከቡ ሽዱሽተ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 61 ኢንተርናሽናልን ፈደራልን ደያኑ ኵዕሶ እግሪ፡ንዝተመሓየሸ ሕግታት ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ናይ ዓመተ 2020/2021 (New Amendment of Law of the Game
2021) ኣመልኪቱ ስልጠና ምሃቡ ብመገዲ ህዝባዊ ርክባቱ ገሊጹ።

እቲ ብኮሚተ ዳንነት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ እተወደበ ስልጠና፡ ንእዋናዊ ጸገም ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰልጠንቲ ብውሑስ ኣገባብ ነቲ ትምህርቲ ንምቕሳም መታን ክከኣል፡ ኣብ ክልተ እብረ፡ ማለት እቲ ቀዳማይ ካብ 1 ክሳብ 5 ሚያዝያ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ካብ 7 ክሳብ 11 ሚያዝያ ክሰላሰል እንከሎ፡ ብናይ ቪድዮ ክሊፕ ዝተሰነየ
ግብራውን ክልሰ ሓሳባውን እዩ ነይሩ።

እዚ ስልጠና ነቲ ኣብ ዞባ ማእከል ዝካየድ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ዝዳንዩ ደያኑ፡ዓቕሞም ክብ ብምባል፡ ኣብ እዋናዊ ሕግታት ጸወታ ኵዕሶ እግሪ (Law of the Game) ዝጸንሖም ኣፍልጦ ብምድራዕ፡ብውሑል ኣገባብ ደረጃኡ ዝሓለወን ምስ ዓለም ተሳንዩ ዝኸይድ ግጥማት ከሰላልስሉ ዝዓለመ እዩ።

ናይ ፊፋ ናይ ዓመተ 2021 መምርሒታት ከም ዝእምሞ፡ኣፍልጦ ደያኑ በብእዋኑ ክሕደስ ከምዝግባእ፡ ከከም ዓቕሚ ናይ`ቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ከኣ ብውሑዱ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ
ናይ ምድላውን ምሕዳስን ምግምጋምን ንጥፈታት ክካየድ ኣድላዪ ምዃኑ እዩ።እዚ ቅድመ ምጅማር ግጥማት ደያኑ ንእዋናዊ ዝተሓደሱ ሕግታት ከምዝፈልጥዎምን ዝመልክዎምን
ብምግባር ንብቑዕ ጸወታ ድልዋት ክኾኑ፡ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት
ከኣ ንሕሉፍ ዝነበረ እወንታውን ኣሉታውን ጎድንታት ገምጊምካ ናብ ካልኣይ ዙርያ ንምእታው፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሓፈሻዊ ገምጋም ንምክያድ እዩ። በዚ መዳይ ከኣ ደያኑ
ብኣፍልጦ ሕግታት ጸወታን ኣካላዊ ብቕዓትን ወትሩ ድልዋትን ብሉጻትን ንምዃን ይሕግዝ።