ኣብ መወዳእታ ሓምለን መጀመርታ ነሓሰን 2021 ኣብ ዝካየድ ውድድር ኦሊምፒክስ፡ ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ብሰለስተ ዓይነታት ስፖርት ክትካፈል ምዃና ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስ ኤርትራ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ናይቲ ኮሚቴ ኣቶ ልኡል ፍስሃየ ከምዝሓበሮ፡ ኤርትራ ብኣትለቲክስ - ብኽልቲኡ ጾታ፡ ቅድድም ብሽክለታ - ብኽልቲኡ ጾታ ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ብዝቕመጥ ዜጋኣ ኣቢላ ኣብ ምሕንባስ ክትሳተፍ እያ።
ብፍላይ ኣብ ኣትለቲክስ፡ ኣብ ናይ ማእከላይን ነዊሕን ርሕቀት ሚኒማ ኣምጺኦም ንኤርትራ ዝውክሉ ኣትሌታት ይብርክቱ ኣለዉ። ኣብ ማራቶን ንኣብነት 13 ኣትሌታት ደቂተባዕትዮ መሳተፊ ሚኒማ ረኺቦም ብምህላዎም፡ ካብዚኦም ሰለስተ ቀወምቲ ተሰለፍትን ሓደ ተጠባባቕን ብድምር ኣርባዕተ ኣትሌታት ንምምራጽ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዝቐነየ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ይሕብር።
እቶም ኣብ ኦሊምፒክስ ዘሳትፎም መምዘኒ ነጥቢ ረኺቦም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክኾኑ ሃንቀው ኪብሉ ዝቐነዩ ኣትሌታት፦
ብተወሳኺ ኣብ ደቀንስትዮ ናዝሬት ወልዱን ኮኾብ ተስፋጋብርን ኣብ ኦሊምፒክስ ማራቶን ንኤርትራ ወኪለን ኪካፈላ ምዃነን ተፈሊጡ።
ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኩሎም ምስተጻረዩ ክነቕርበልኩም ኢና። ኣብ ምሕንባስ ግና
ኤፍሬም ግርማይ ዝተባህለ ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ዜጋ ክካፈል እዩ።
ኤርትራ ኣብ ኣትለቲክስን ብሽክለታን ብደረጃ ዓለም ዓወታት ዘመዝግቡ ሓያሎ ስፖርተኛታት ዝሓቖፈት ኮይና፡ ብፍላይ ኣብ ኣትለቲክስ ብዙሕ እዋን ኣብ መድረኽ ዓለማዊ ሽልማት ክትድይብ በቒዓ እያ።
ኣብ ኦሊምፒክስ 2004 ብመገዲ ዘርኢሰናይ ታደሰ ኣቢላ መዳልያ ከምዘምጽአት’ውን ይፍለጥ።