ሄኖክ ምሉእብርሃንኣብ ጂሮ ቺክሊስቲኮ ኢጣልያ ሳልሳይ ተርታ ሒዙ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኩቤካ ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ጂሮ ቺክሊስቲኮ ኢጣልያ፡ ሎሚ 5 ሰነ 2021 ኣብ ዝተኻየደ 2ይ መድረኽ 3ይ ተርታ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።
ሄኖክ ብዉህሉል ግዜ ካብ ብጫ ማልያ ብ9 ካልኢት ተፈንቲቱ 3ይ ተርታ ሒዙ ምህላዉ ድማ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኤሪኖክ ብመገዲ ናይ ፈየስቡክ ኣድራሻኡ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊጹ።