ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሽወደን ብዙሓት ኤርትራውያን መንእስያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ይስስኑ ኣለዉ። ፈላሚ ግን ሄኖክ ጎይቶኦም እዩ:: ሄኖክ እቲ ባብ ናይ ብዙሓት ኤርትራዊ መበቈል ዘለዎም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ መንእሰያት ዘርሓወ ምኩርን ብ ሃገሩን መንነቱን ሕቡን ኤርትራዊ ሽወደናዊ እዩ። ነቲ ኩሉ ኣብ ስደት ዘጋጥም ብድሆታት መኪቱ ዕዉት ኮይኑ ዝወጸ ብምዃኑ ድማ መንፋዓቱ ድርብ እዩ። ምስ AIK እትባሃል ጋንታ ናይ ሽወደን ከም ቀንዲ ኣጥቃዓይን ሓለቓ ጋንታን ኮይኑ ኣብዚ ግዜ’ዚ ይጻወት ምህላዉ’ውን ይፍለጥ። ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከም ቀንዲ ኣጥቃዓይ ኮይኑ ተሰሊፉ እዩ። ብተወሳኺ ሄኖክ ጎይቶኦም ኣብ ላ ሊጋ ናይ ስጳኛ’ውን ምስ ዓበይቲ ጋንታታት ተጻዊቱ’ዩ። ኣንጻር በዓል ክርስትያኖ ሮናልዶን ልዮነል መሲን’ውን ገጢሙ እዩ።
ኣሰሩ ስዒቦም ዝፈርዩ ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእስያት’ውን ይስስኑ ኣለዉ። ሄኖክ እዩ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም። ከም ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ጳውሎስ ኣብርሃም፡ ተስፋልደት ተኪኤን ካልኦትን ኣዝዮም ብዙሓት ይርከብዎም።
ተስፋልደት ተኪኤ ወዲ 24 ዓመት መንእስይ ክከውን ከሎ፡ ካብ ሽወደን ናብ ናይ ሆላንድ ጋንታ ፎርቱና ሲታርድ ተሽይጡ ከም ናይ ማእከል ወይ ሚድፊልድ ይጻወት ኣሎ። ንሎሚ ድማ ብዛዕባኡ እየ ከውግዓኩም፦
ጳውሎስ ኣብርሃም ልክዕ ከም ኣለክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ሶልና ዝብሃል ከባቢ ስቶኮልሆም እዩ ኣብ 2002 ተወሊዱ። ካብ ወዲ 5 ዓመት ጀሚሩ ድማ ኩዕሶ ምስ መሳቱኡ ክጻወት ጀሚሩ። ክሳብ ወዲ 17 ዓመት ምስ ዝተፈላለያ ጋንታታት ድሕሪ ምጽናሕ ብዘለዎ ናይ ኩዕሶ ምልከት ኣቓልቦ ዓባይ ጋንታ ሽወደን AIK ክስሕብ ጀመረ። ኣሰር ሄኖክ ጎይቶኦም ተኸቲሉ ድማ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ AIK ተጸንበረ። ኣይጸነሐን’ውን ብዘለዎ ናይ ተሪር ቅላዕን ናይ ምሽካዕን ፍሉይ ክእለቱ ኣድናቖት ናይ ደገፍቲ AIK ክረክብ ጀመረ።
ምስ ግዜ ኣለክሳንደር ካብታ ጋንታ ተሰናቢቱ ናብ ጀርመን ምስከደ፡ ደገፍቲ AIK ንጳውሎስ ኣብርሃም መተካእታ ኢሳቕ ረኺብና ክብሉ ጀመሩ። ፓውሎስ ካብ ሽወደን ሓሉፉ’ውን ኣቓልቦ ካልኦት ሃገራት ክስሕብ ጀመረ። ሓንቲ ካብኣተን ዝኾነት ጎሮኒንገን እትብሃል ጋንታ ናይ ሆላንድ ዝያዳ ተገዳስነት ኣብ ፓውሎስ ክተሪ ጀመረት:: ግሮኒንገን ከም በዓል ሆላንዳዊ ኣርያን ሮበን ናይ ሊቨርፑልን ባርሴሎናን ተጻዋታይ ዝነበረ ልዊስ ሽዋረስ ዘፍረያት ሆላንዳዊት ጋንታ እያ። ወዲ 18 ዓመት ጳውሎስ ኣብርሃም ድማ ብ 3 ሚልዮን ኢሮ (~$3.7) ካብ AIK ገዚኣቶ ኣብዚ ግዜዚ ድማ ምስታ ጋንታ ይጻወት ኣሎ።
ከምቲ ሄኖክ ጎይቶኦም ብዛዕባ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተሐቲቱ ጽቡቕ ዝተዛረቦ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ’ውን ብዛዕባ ጳውሎስ ኣብርሃም ተሓቲቱ ከምዚ ክብል መሊሱ፦ “ጳውሎስ ኣብረርሃም ኣዝዩ ተስፋ ዘለዎ ተጻዋታይ እዩ። ብፍላይ ናይ ዲሪብል (ኩኦሶ ኮቢብካ ምኻድ) ክእለቱ ኣዝዩ ዝደነቕ እዩ። ብተወሳኺ ሓያል ቅላዕ ኣለዎ” ኢሉዎ።