ራሄል ዳኒኤል ናብ ኦሊምፒክስ ቶክዮ ንኤርትራ ወኪላ ክትካፈል እያ

ኣትሌት ራሄል ዳኒኤል ትማሊ 8 ሰነ 2021 ኣብ ሀንገሎ - ኔዘርላንድስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 5000 ሜተር ውድድር ጉያ፡ ንኤርትራ ወኪላ ኣብ ኦሊምፒክስ ቶክዮ 2020 ዘሳትፋ ሚኒማ ኣመዝጊባ። ራሄል 14.55.56 ግዜ ብምምዝጋብ እያ ምሕላፋ ዘረጋገጸት።

ኣብዚ ውድድር'ዚ ሓንቲ ኣትሌት ናብ ኦሊምፒክስ ክትሳተፍ እንተዀይና ብውሑዱ 15.10 ግዜ ክተመዝግብ ኣለዋ።