ኣትሌት ዶልሺ ወልዱ ትማሊ ምሸት ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ከተማ ሀንግሎ ኣብ ዝተገብረ ናይ 10000 ውድድር ጉያ፡ ብሉጽ ግዜ ብምምዝጋብ ንኤርትራ ወኪላ ኣብ ኦሊምፒክስ ቶክዮ 2020 ዘሳትፋ ሚኒማ ኣመዝጊባ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ናይ መጻረዪ ውድድር ሃገራዊ ሪከርድ ክትሕዝ ዝበቕዐት ዶልሺ ኣብዚ ውድድር'ዚ 31.12.86 ግዜ ብምምዝጋብ እያ ኣብ ኦሊምፒክስ ምሕላፋ ዘረጋገጸት።
እዚ ዶልሺ ኣመዝጊባቶ ዘላ ግዜ፡ ኣብ 10000 ሜተር ናይ ኤርትራ ናይ ደቀንስትዮ ሪከርድ እዩ።