ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣዶውሓ፡ ቀጠር ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ዓለማዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ከምእተኻፈለት ሃገራዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ኤርትራ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ብ5 ሰነ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ኤርትራ ኣቶ ሰለሙን ነጋሽ፡ ዋና ጸሓፊ ኣቶ ዓብደልዋስዕ ኢብራሂም ብኣካል ኪካፈሉ እንከለዉ፡ ምክትል ፕረዚደንት መንሱር ኑረዲን ድማ ብማንዛ ካብ ኣስመራ ተሳቲፉ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ኲዌታዊ ሑሴን ኣልሙስልም ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ኮይኑ ከገልግል ተመሪጹ።
ኤርትራ ብመገዲ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሓምባሳይ ኤፍሬም ግርማይ ኣቢላ ንፈለማ ግዜኣ ኣብ ኦሊምፒክስ ቶክዮ 2020 ክትካፈል ምዃና ይፍለጥ።