ሻምፕዮን ብሽክለታ ኤርትራ ፈሊሙ፣ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ክሮኖሜተር ተዓዊቱ

ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ ኤርትራ 2021፡ ሎሚ ብክልቲኡ ጾታ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ፈሊሙ።

ኣብ’ዚ ኣብ መስመር ክትመውሊዕ - ሕምብርቲ ዝተሰርዐ ሻምፕዮን፡ 36 ኪሎ-ሜተር ኣብ ዝሸፈነ ናይ ዓበይቲ ማለት ‘ኤሊት’ ውድድር፡ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቅዱስ ብ43 ደቒቕን 20 ካልኢትን 17 ንኡስ ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ‘ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኤርትራ 2021’ ኮይኑ።

ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ደቂኣንስትዮ ድማ፡ ተቐዳዳሚት ክለብ ጋላ-ነፍሒ ኣድያም ተስፋኣለም፡ ን18 ኪሎ-ሜተር ብ26 ደቒቕ፡ 30 ካልኢትን 41 ንኡስ ካልኢትን ብምዝዛም፡ ቀዳመይቲ ኮይና።