ሻምፕዮን ብሽክለታ ኤርትራ 2021፡ ናይ ደቀንስትዮ ጁንየርን ኤሊትን፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ናይ ጁንየር ናይ ጽርግያ ውድድር ተኻዪዱ
ትማሊ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር (ክሮኖሜተር) ዝፈለመ ሻምፕዮን ብሽክሌታ ኤርትራ 2021፡ ሎሚ ብኣርባዕተ ናይ በረኻ ውድድራት ቀጺሉ ውዒሉ።
ኣብ’ዚ ውድድራት፡ ደቂኣንስትዮ ናይ ‘ኤሊት’ን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን፡ ካብ ሰላዕ-ዳዕሮ ተበጊስካ መንደፈራ በጺሕካ ኣብ ሰላዕ-ዳዕሮ ዝዛዘም ናይ 85 ኪሎሜተር ውድድር’ዩ ተሰሪዑለን።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ናይ ‘ኤሊት’ ኣባል ክለብ ጋላ-ነፍሒ ብስራት ገብረመስቀል ብ2 ሰዓት፡ 52 ደቒቕን 8 ካልኢትን ሻምፕዮን ኤርትራ 2021 ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ድማ ኣባል ክለብ ደንደን ኣድያም ዳዊት ብ2 ሰዓትን 52 ደቒቕን 13 ካልኢትን ቀዳመይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ።
ተቐዳደምቲ ‘ጁንየር’ ደቂኣንስትዮ ብወገነን፡ ካብ ሰላዕ-ዳዕሮ ተበጊሱ ኣብ ሓምላይ-ደሴት ዝተዛዘመ ናይ 50 ኪሎ-ሜተር ውድድር’የን ኣካዪደን። ኣባል ክለብ ዞባ ደቡብ ሞናሊዛ ኣርኣያ ድማ፡ ብ1 ሰዓት 49 ደቒቕን 48 ካልኢትን ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መስመር መንደፈራ - ሰላዕዳዕሮ 85 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ውድድር ካብ ዘካየዱ ‘ጁንየር’ ደቂተባዕትዮ፡ ኣባል ክለብ ደንደን ጳውሎስ ገብረመስቀል ብ2 ሰዓት፡ 8 ደቒቕን 43 ካልኢትን ብምዝዛም፡ ኣብ ምድቡ ሻምፕዮን 2021 ኮይኑ።
ሻምፕዮን ኤርትራ 2021፡ ጽባሕ ሰንበት ካብ ሰላዕ ዳዕሮ ተበጊሱ ብመንደፈራ ናብ እግሪ ሽከቲ፡ ካብኡ ድማ ናብ መንደፈራ ብምምላስ ኣብ ሰላዕ-ዳዕሮ ብዝዛዘም ናይ 155 ኪሎ-ሜተር ናይ ዓበይቲ (Elite) ውድድር መጋረጅኡ ክዓጹ’ዩ።