ሎሚ ቅድሚ ፋዱስ ኪካየድ ዘርፈደ ሻምፕዮን ኤርትራ 2021፡ ብኹሉ መለክዒታት ካብ ሻምፕዮን ዓለም ዝንእስ ኣይነበረን። ብዙሓት ካብተን 20 ናይ ዓለምና ዝበለጻ ክለባት ብሽክለታ ወከልተን ኣሳቲፈን እየን። ኣስታና ብመገዲ መርሃዊ ቅዱስ፡ ትረክ-ሰጋፍሬዶ ብኣማኑኤል ገብረዝግኣብሄር፡ ደልኮ ብቢንያም ግርማይ፡ ጋንታ ተረንጋኑ ብመትከል እዮብ፣ ሲደርመክ ብናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ባይክ ኤይድ ብመኽሰብ ደበሳይ፡ ዳይመንሽን ዳታ ብሜሮን ተሾመ ተወኪለን ኣርፊደን።
እዞም ዝተጠቕሱ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንባዕሎም ኣብ ዓለም ቅያ ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ዘለዉ እዮም። መርሃዊ ቅዱስ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተሳታፊ ቱር ደ ፍራንስ ብምዃን ሪከርድ ሒዙ ዘሎ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ 2017 ኣብ ሓደ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር ካልኣይ ብምውጻእ ብሩር መዳልያ ተሸሊሙ። ካልእ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ዓወታት ድማ ጨቢጡ ይርከብ።
ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2018 ዝኾነ፡ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ክለብ ሴጋፍሬዶ ኣማኑኤል ገብረዝግኣብሄር ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ጂሮ ዲ ኢታልያ (ሓደ ካብ ሰለስተ ኣካላት ግራንድ ቱር) ኣብ ጎኒ ወዲ ጋንታኡ ቪንቸንዞ ኒባሊ ተሰሊፉ ዝተወዳደረ እዩ። ቪንቸንሶ ኒባሊ ኣብ 2014 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ቱር ደ ፍራንስ እዩ። ድሕሪኡ’ውን ኣብ ብርክት ዝበለ ናይ ግራንድ ቱር ውድድራት ናይ መድረኽ ዓወት ዝረኸበ ጸብደል ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ እዩ።
ኣብ ዕድመ ኩትትናኡ ኣብ ዓለም ጽቡቕ ክብሪን ስምን ንዘለዎም ከም ኣንድሬ ግረይፐልን ኒኮሎ ቦኒፋዝዮን ስዒሩ ዓወት ኪጭበጥ ዝበቕዐ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ብወገኑ፡ ናይ ዓለምና ዝበለጸ ናይ ቮላታ ስፔሻሊስት ክኸውን ብጋንትኡ ዴልኮ ፍሉይ ክንክን ዝግበረሉ ዘሎ እዩ። ክሳብ ቮላታ እንተጸኒሑ ንረምኮ አኢቨነፖል ዝተባህለ ሓደ ካብ ህቡባት ተቐዳደምቲ ዓለም’ውን ከይተረፈ ክስዕር ዝኽእል እዩ።
ንቢንያም ግርማይ መሰታኡ ዝኾነ ወዲ 21 ዓመት ውልዶ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን ብወገኑ ኣብቲ 2.1 ዝልካዕ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ዝሳተፉዎ ዙር ርዋንዳ ቢጫ ማልያ፡ ተመሳሳሊ ሚዛን ኣብ ዘለዎ ዙር ጋቦን ድማ ካልኣይ ኮይኑ ክዕወት ዝበቕዐ ተኣምረኛ ተቐዳዳማይ እዩ። እቲ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ክለብ ነካስን ህንጡይን ብምዃኑ’ውን ኣብ ግዜ ልምምድ ልዕሊ ሰቡ እዩ ዝጽዕር። ወዲ 27 ዓመት መትከል እዮብ ብወገኑ፡ ኣብ ሓያሎ ናይ ኮንቲነንታል ደረጃ ዘለዎም ተቐዳደምቲ በቲ ሓያል ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ክእለቱ ኣብ ፖድዩም ክድይብ ዝበቕዐ እዩ።
ሓደ እዋን ናይ ግራንድ ቱር ተቐዳዳማይ ክኸውን ዝበቕዐ ሎሚ ምስ ጀርመናዊት ባይክ ኤይድ ተሓቚፉ ዘሎ መኽሰብ ደበሳይ ብወገኑ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተዓወተን ናይ ፕሮኮንቲነንታል ጋንታታት ዝካፈላኦ ዓቢ ውድድር ዙር ላንካዊ ድማ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ህቡብ ስፖርተኛ እዩ።
ናይ ሎሚ ዓመት ሻምፕዮን ኤርትራ እምበኣር ከምዚኤን ዓይነት ጋንታታትን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምትን ዘሳተፈ ብምዃኑ፡ ሓያል ስፖርታዊ ህልኽ ኪረኣዮ ካብ ፈለማኡ ተገሚቱ ነበረ። ከም ዝተገመቶ ድማ ገና ውድድር ጅምር ከብልን መርሃዊ ቅዱስ ካብ ፈለማኡ ኪሃድም ክፍትንን ሓደ ኮነ። ምስቶም ምስኡ ዝወጽኡ ክልተ ተቐዳደምቲ - ሚኪኤል ሃብቶም (ጎሚስታን) ሳምሶን ሃብተን ብናህርን ብዘይምቁራጽን እናተበራረየ ስለዝሰሓበ ድማ ንጸወታ እሳት ከዓዉላ! በቃ ተበታተን ኮነ!
ካልኣይቲ ጉጅለ ብከም ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገብረዝግኣብሄር እናተሳሕበት ከተርክብ ሃቀነት። ድሕሪ ናይ 10ታት ኪሎሜተራት ምፍንታት ድማ እቶም ሓያላት ተቐዳደምቲ ኣብ ሓደ ተጠምሩ።
እንተኾነ ነዊሕ ኣይጸንሑን እንደገና ተበታተኑ። ኣብ መወዳእታ ሒደት ተቐዳደምቲ እግሪ መንጉዳ ነኸሱ። መርሃዊ ቅዱስን ዳዊት የማነን ኣብ ቅድሚት ተገደሙ። እቲ climbing specialist ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ሒደት ብሉጻት ሓኾርቲ ሓደ ዝኾነ መርሃዊ ቅዱስ ሓቐበት ምስ ነኸሰ ብናህሪ ክምርቀፍ ፈተነ። እንተኾነ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስቤኮ ዳዊት የማነ ኣብ እግሩ ለጊቡ ይኽተሎ ነበረ። ገለ ሜትሮታት ምስ ከዱ ዳዊት ንመርሃዊ ኣራግጻኡ ገምጊሙ መሪሕነት መንጠሎ። ንድሕሪት ከይረኣየ ሓያሎ ስካቶ ስለዝገበረ ድማ ንመርሃዊ ቅዱስ ራሕሪሕዎ ተዓዝረ! ዘገርም ትርኢት እዩ ብሓቂ! እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝጻወት ዳዊት ነቲ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ ፖድዩም ዝደየበ መርሃዊ ገዲፍዎ ምኻዱ፡ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ሓያል ዕቑር ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘነጽር ነበረ!
ዳዊት ቀዳማይ ኮይኑ ኣብቲ ኣብ ሰላዕዳዕሮ ዝተዳለወ መስመር ረገጸ። ሞቶር ናይቲ ጸወታ ኮይኑ ዝወዓለ መርሃዊ ቅዱስ ኣሰሩ ስዒቡ ካልኣይ ኮይኑ። ድሕሪ'ቲ ውድድር መርሃዊ ቅዱስ ንኤሪኖክ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃለ መሕትት፡ "ሃገራዊ ፈደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ ጽፉጽን ጉድለት ዘይብሉን ውድድር ኪሰርዕ ብምቅዓኡ ዮሃና እብሎ" ድሕሪ ምባል፡ ድኻም ስለዝተሰምዖ ብዳዊት የማነ ከምእተሳዕረ ገሊጹ። "ኣነ ዝከኣለኒ ጽዒረ እየ፣ ብውጽኢተይ ድማ ሕጉስ እየ።" ከኣ ኢሉ።
ሳልሳይ፦ መትከል እዮብ - ተረንጋኑ (ማሌዥያ)
ራብዓይ፦ ኤፍሬም ገብረሂወት - ሰምበል
ሓሙሻይ፦ ኣማኑኤል ገብረዝጋኣቢሄር - ትሬክ ሴጋፍሬዶ
ሻዱሻይ፦ ጴጥሮስ መንግስ ኤሪተል
ሻውዓይ፦ ሃገር ዓንደማርያም ኤሪቴል
ሻሙናይ፦ ሳሙኤል ምስግና ኤሪቴል
ታሽዓይ፦ ኖቤል ሚካኤል ኣስቦአኮ
ዓስራይ ድማ ኣማኑኤል መሓሪ ኤሪቴል ኮይኖም ተዓዊቶም። ኣብ ምስ ጋንታታት ውሽጢ ዓዲ ዝስለፉ ተቐዳደምቲ እምበኣር ናይ ቀዳማይ፡ ራብዓይ፡ ሻዱሻይ፡ ሻውዓይ፡ ሻሙናይ፡ ታሽዓይን ዓስራይን ማለት ሸሞንተ ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይኖም ኪዛዝሙ ምብቅዖም ንብዙሓት ዘገረመ ነበረ።