ሃገራዊ ኮሚቴ ፓራ-ሊምፒክ ኤርትራ ንጥፈታት ሰለስተ ዓመት ስርሑ ዝገምገመ ጉባኤ ብምክያድ ዝምርሓሉ መመሓዳደሪ ቅዋም ኣጽዲቑ
ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ብቀዳም 29 ግንቦት 2021 ኣብ ኣዳራሽ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ዝተኻየደን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራን ወከልቲ ኩለን ሃገራውያን ፈደረሽናት ስፖርትን ዝተረኽቡሉ ዋዕላ ፡ ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ሓላፊ ምክትታል ንጥፈታት ኮሚቴ ኦሎምፒክ፡ ፓራ-ሊምፒክ ኤርትራን ሃገራውያን ፈደረሽናትን ስፖርት ኮሎ/ሰሎሞን ስዩም ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ንጥፈታትን ውድድራትን ፓራ-ሊምፒክ ከም ኣካል ሃገራዊ ስፖርት ንምምዕባሉ ዝተኸስረ ዕድላት ናብ ረብሓን ዕቤትን ሃገር ንምውዓሉ ጻዕርታት ክካየድ ምጽንሑ ሓቢሩ፡
ኮሎ/ሰሎሞን ብምቕጻል፡ ኣብ መጻኢ ነቶም ኣካል ዘኹርዕ ጅግንነታዊ ታሪኽ ናጽነት ሃገርና ዝኾኑን ብባህርያዊ ኩነታት ኣካላዊ ጉድለት ዘጋጠሞም ዘለዎም ወነንቲ ፍሉይ ክእለት ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሓቁፍ ዓውዲ ስፖርት ስፖርት ንምሕያል ኣካል ዓለማዊ ስፖርት ንምግባር ብዝለዓለ ከምዝስርሓሉ ብምምምልካት ተሳተፍቲ’ቲ ዋዕላ እቲ ሃገራዊ ኮሚቴ ዝምርሓሉ ቅዋም ኣብ ምጽዳቕ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።
ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራ ኣቶ ልኡል ፍሰሃየ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ናይ ድጋፍ መልእኽቲ ንጥፈታት ፓራ-ሊምፒክ ንምምዕባል ብኩሎም ኣካላት ስፖርት ዓቕሚ ዘፍቅዶ ጻዕሪ ክካየድ ምጽንሑ እንተኾነ ኣብ ዞባውን ኣህጉራዊን ባይታ ግን ከምቲ ክንከዶ ዝግባእ ከምዘይሰጎመ ብምግላጽ፡ ተወዳደርቲ ፓራ-ሊምፒክ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ንጥፈታት ክሳተፉ ናይ ድሌትን ምርጫን ጉዳይ ዘይኮነ ግዴታ ኩሉ ክፋል ዜጋን ሕብረተሰብ ብምዃኑ ስለምንታይ ንዝብል ጉዳይ ንድሕሪት ብምግዳፍ ንመጻኢ ብውህደት ስራሕን ዝመላላእ ጻዕርን ኤርትራ ኣብዚ ዓውድ’ዚ ኣብቲ ክትበጽሖ ዘለዋ ቦታ ክትበጽሕን ኣብ መድረኻት ዓለማዊ ስፖርት ግቡእ ቦታኣ ክትሕዝን ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታቱ ከምዘዕዝዝ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኮሚቴ ፓራ-ሊምፒክ ኤርትራ ኣቶ ሃይሉ ኣስፍሃ ብግደኡ ብውህደት ኩሎም መሻርኽቲ ብደረጃ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪን እቲ ዓውዲ ስፖርት ኣካል ዓለማዊ ኮሚቴ ፓራ-ሊምፒክ ( IPC- International Paralympic committee) ንምግባሩ ዝካየድ ዝጸንሐ ኣድካሚን መስርሓትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብምብራህ በቲ ሃገራዊ ኮሚቴ ቀሪቡ ዘሎ ንድፊ ቅዋም ብኩሎም ተሳተፍቲ ሃናጺ ሓሳባት ተወሲኹሉ ናይ መወዳእታ መልክዑ ክሕዝ ሱታፌ ኩሎም ኣካላት ክዓዝዝ ኣዘካኺሩ። ብድሕር’ዚ ዋና ጸሓፊ’ቲ ሃገራዊ ኮሚቴ እቲ ሃገራዊ ኮሚቴ ብውህደት ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዘካየዶ ንጥፈታት፡ ንጸንሖ ሃጓፋትን ንምፍትሑ ክካየድ ዝጸንሐ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት ዝገልጽ ጸብጻብ ዝርዝራዊ ቀሪቡ። ኣብ መወዳእታ ኮሚቴ ፓራሊምፒክ ኤርትራ ዝምርሓሉ ንድፊ ቅዋም ናብ ተሳተፍቲ ቀሪቡ ዓሚቕ ዘተን ምይይጥን ድሕሪ ምክያዱ ምስ ሕጋጋት ኣህጉራዊ ኮሚቴ ፓራ-ሊምፒክ(I.P.C)ን ካልኦት ዓለማውያን ሕጋጋት ስፖርት ብዝሳነ ዝኸዱ ተወሰኽቲ ርእይቶታት ተወሲኹሉ ብኩሎም ተጋባእቲ ብምሉእ ድምጺ ጸዲቑ።
ኮሎ/ሰሎሞን ስዩም ኣብ መዛዘም’ቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ ደምዳሚ ቃል፡ ኣዳለውቲ’ቲ ናይ ጉባኤ መድረኽ ንጉባኤኛታት ኣብ ዙርያ ምዕባለን ዕቤትን’ቲ ዓውዲ ዘካየድዎ ምይይጥን ዘተን ውጽኢታዊ ፍረ ከምዝተረኽቦ ብምግላጽ፡ ንጥፈታት ስፖርት ፓራ-ሊምፒክ ጎኒ-ጎኒ ካልኦት ዓውድታት ስፖርት ሓይሉ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ጊዜ በቲ ዓውዲ ስፖርት ስሞምን ስም ሃገሮም ዘጸውዑ ዜጋታት ዝፈርዩሉ ሰፊሕ ባይታን ዕድልን ክፍጠር ኣበርክቶን ውህደት ኩሎም ኣካላት ስፖርት ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።