ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራ ዝነጥፍ ማእከል ኣሊምፕ ኣፍሪቃ ኣስመራ ካብ 6-12 ሰነ 2021 ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝተኻየደ ክልተ ዓመታዊ ኣኼባ ዳይረክተራት ማእከላት ኦሊምፕ ኣፍሪቃ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ዝኾና ሃገራት ተሳቲፉ።
ኣብቲ ዞባዊ ኣኼባ ካብ 13 ማእከላት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ዳይረክተራት፡ Program Manager OlympAfrica Foundation ከምኡ’ውን ክኢላታት ውድድራት FutbolNet(መደባት ግራስ-ሩት ህጻናት)ን ውድድር TeqBallን ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ዳይረክተራት ማእከላት ኦሊምፕ-ኣፍሪቃ ነናይ ሃገራቶም ንጥፈታት ዝገልጽ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ንሜላታት ስልጠና FutbolNetን Teqballን ዝምልከት ክልሰ-ሓሳባውን ግብራውን ኣስተምህሮታት ዘጠቓለለ መደብ’ውን ተዋሂቡ’ዩ።
ብመሰረት ንኩለን ማእከላት ዝተዋህበ ናይ 15 ደቓይቕ መደብ ምቕራብ ጸብጻብ (Power Point Presentation) ማእከል ኦሊምፕ ኣፍሪቃ ኣስመራ ቅድሚ ምኽሳት ሕማም COVID-19 ናይ ዘካየዶ ንጥፈታትን ከምኡ’ውን እቲ ማእከል ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣታዊታት ብምፍታር ርእሱ ዝኽእለሉ ባይታ ንምፍጣር ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ማለት (ምምላእ ኣገዳስቲ ናውቲታት መሳለትያታትን ስፖርትን ምዝንጋዕን) በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ብስላይድ-ፊልም ዝተደገፈ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ሓለፍቲ መደባት ምምዕባል OlympAfrica Foundation ኣብቲ ማእከል ኦሊምፕ ኣፍሪቃ ኣስመራ ዘቕረቦ ጸብጻብ ካብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ተስፋ ዝህብ ትግባረ መደባትን ስሩዕ ርክባትን ይግበር ምህላዉን፡ ነቲ ብወገን ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራን ኣካላት ስፖርትን ዘሎ መብጽዓን ትስፉው ሃዋሁን ድማ ብዝያዳ ኣድማዒ መደባትን ቀጻልነት ዘለዎ ርክባት ስራሕን ዝያዳ ንምምዕባሉ ክድፍኣሉ ብምዝክኻር ደገፍ OlympAfrica Foundation ከምዘይፍለ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣኼባ ብዘይካ’ዚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ማእከላት ዘሎ ንጥፈታትን ተመኩሮታትን ስራሕ ናይ ምልውዋጥ መደብ ክካየድ እንከሎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ነፍሲ-ወከፍ ማእከል ኣብ ቀጻሊ ምስ ህሉው ማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ሃገራ ተሳንዩ ክምዕብል ዝኽእል ኣማራጺታት ፕሮጀክትታትን ዕድልን ዝሓዘ ናይ ምዕባለ መደባት ዝገልጽ ዉጥን ክወሃባ እንከሎ፡ ንዝያዳ ኣድማዕነቱ ተወፋይነት ጻዕርን ዳይረክተራትን ምስኦም ዝዋስኡ ተሓባበርትን ክዓቢ መዘኻኸሪ ምቕራቡ ንኤርትራ ወኪሉ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ዳይረክተር ማእከል ኦሊምፕ ኣፍሪቃ ኣስመራ ኣቶ ድራር ፍሰሃየ ሓቢሩ።