ምድላዋት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ-23 ዓመት

ካብ መፋርቕ ሓምለ 2021 ጀሚሩ ብኣአንጋድነት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝካየድ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሃገራውያን ጋንታታት ትሕቲ 23 ዓመት ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ (Cecafa) እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ምድላዋታ ኣብ ምጽፋፍ ከምእትርከብ ሓቢራ።

ኣብቲ ን11 ኣባል ሃገራትን ሴካፋ ከምኡ’ውን ዕድምቲ ሃገራዊት ጋንታ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሓቚፉ ክካከድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዞባዊ ውድድር ንምስታፍ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚራ ብኣላይነት ኣሰልጣኒ መም./መኮነን ዘውደን ተሓጋገዝቱን ኣብ ሆስቴል ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ተዓጽያ ስሩዕ ልምምዳታ ኣብ ኣርቲፊሻል ሜዳ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ተካይድ ኣላ።

እቲ ኣሰልጣኒ ንሓፈሻዊ ምድላዋት’ታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣመልኪቱ ብ 29 ሰነ ረፋድ ኣብ ሜዳ ልምምድ ንመርበብ ሓበሬታ Eri-Noc ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መብርሂ፡ ኣብቲ ዞባዊ ውድድር ተወዳዳሪ ብቕዓት ብምንጽብራቕ ዝነኣድ ውጽኢት ንምምዝጋብ ምድላዋታ ኣብ ምጽፋፍ ምህላዋን ኩነታት ጥዕናን ብቕዓትን ዝበዝሑ ተጻወትቱ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምህላዉን ገሊጹ።

ኣዳላዊ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት 2021 መደብ ጸወታ ጋንታታትን ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2021 ዕላዊ ክገብር ምዃኑ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብቲ ግጥማት ዝሳተፉ ክልተ ኤርትራውያን ደያኑ ረቊሑ ምህላዎም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።