ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ርብዒ ዘመን!
ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኤርትራ 3 ኢትዮጵያ 3
ኣብ 1996 ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ኤርትራ ኣንጻር'ታ ኣአንጋዲት ዝነበረት ኢትዮጵያዊት መዘናኣ ኣብ ሻምፕዮን መንእሰያት ሴካፋ ገጢመን 0-0 ተፈላልየን። ኤርትራ ካብ 11 ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ድማ ንሽልማት በቒዓ ነይራ።
ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ጨቢጡ ዝነበረ ከዳሚ ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዝፈጸሞ ወራር ክልቲኤን ሃገራት ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ከይተጻወታ እየን ጸኒሐን።
ኣብ 1998 እቲ ወራር ምስ ተጀመረ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብጺ ኪገጥማ ተመዲበን፡ ስርዓት ወያነ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ካብ ምኻድ ክኽልክላ እንከሎ፡ ኤርትራ ግና ከይዳ ብፎርፌ 2-0 ተዓዊታ ናብ ዝቕጽል ውድድር ሓሊፋ ነይራ።
ኣብዚ እዋንዚ እምበኣር ወያነ ዘመነ ስልጣኑ ኣብቂዑ ካብ ጸወታ ፖለቲካ ምስ ወጽአ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ለውጢ መጺኡ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ነጊሱ እንሆ ክልቲኤን ሃገራት ክገጥማ በቒዐን።
ናይ ኤርትራ ናይ ሊግ ጸወታ ብሰንኪ ኮቪድ ንልዕሊ ዓመት ድው ኢሉ ብምጽንሑ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብኡ መጠን ኣብ ውድድር ኣይጸንሐትን። ቀቅድሚ ኮሮና ግና ኣብ 2019 ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝተኣንገደ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፕዮን ኤርትራ ሳልሰይቲ፡ ናይ ሲነር ድማ ኤርትራ ብኣአንጋዲት ሃገር ዩጋንዳ ኣብ ግጥም ንዋንጫ ተሳዒራ ካልኣይቲ ኮይና ተሸሊማ ነይራ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመትን ኢትዮጵያዊት መዘናኣን ሓያልን መሳጥን ኣብ ምቅብባል ዘድሃበን ጸወታ ኣካዪደን 3-3 ተፈላልየን።
እቶም ዘይሕለል ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ዝሰነቑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብወገኖም ንሃገራዊት ጋንታኦም ብምድጋፍ ሆ ክብሉ ውዒሎማ