ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ‘ውድድራት ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020’ እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክሌታ ኤርትራ፡ ሎሚ 17 ሓምለ ናብ ጃፓን ኣምሪሓ።
እዛ ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሞን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ፡ ንተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ሞሳና ደበሳይን ዝሓቘፈት’ያ።
በዚ ድማ፡ ተቐዳዳሚት ሞሳና ደበሳይ፡ ኣብ ታሪኽ ኦሊምፒክስ ናይ ፈለማ ጸላም ኣፍሪቃዊት ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ክትከውን’ያ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ውድድር ትራክ ዝሳተፉ ኣትሌታት ዝመጽእ 24 ሓምለ፡ ኣብ ማራቶንን ቅድድም 10 ሽሕ ሜትሮን ዝሳተፉ ኣትሌታት ድማ 30 ሓምለ ናብ ቶክዮ ከምዝብገሱ፡ ተፈሊጡ’ሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020፡ ኣብ ውድድራት ኣትለቲክስ፡ ቅድድም ብሽክለታን ምሕንባስን፡ ብ8 ደቂተባዕትዮን 5 ደቂኣንስትዮን፡ ብድምር ብ13 ስፖርተኛታት’ያ ክትሳተፍ