ግጥም ኤርትራን ብሩንዲን ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ተቛሪጹ

ኣብ ሻምፕዮን ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ቀዳማይ ምድብ ሎሚ ግጥም ዘካየዳ ኤርትራን ብሩንዲን ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ጸወታአን ንጽባሕ ቅድሚ ቀትሪ ከምእተሰጋገረ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ግጥም ብሩንዲ እያ ኣብ መበል 16 ደቒ ብዝመዝገበታ ጎል 1-0 ትመርሕ ነይራ። ብመሰረት ውሳነ ቦርድ ሴካፋ ድማ እቲ ኣብ መበል 51 ደቒቕ ዝተቛረጸ ግጥም ካብ ካልኣይ እብረ ማለት ክልቲኤን ጋንታታት 45 ደቓይቕ ኪጻወታ እየን። ኤርትራ ኣብ ቲክታክ ዝምርኮቅስ ቅዲ ስለዝእትኽተል ነቶም ድልዱላት ተጻወትቲ ብሩንዲ ብጥበብ በሊጾም ክልተ ጎል ኣመዝጊቦም ናብ ዝቕጽል ዙርያ ምሕላፎም ከረጋግጹ ድማ ተስፋና ምሉእ እዩ