ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገ/ሄርን ኣብ ኦሊምፒክስ ዘተባብዕ ውጽኢት ኣመዝጊቦም

ኣብ ውድድር ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክሌታ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን መርሃዊ ቅዱስን፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

ኣብ’ዚ 234 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነን ካብ 128 ተቐዳደምቲ እቶም 43 ዘይዛዘምዎ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር መበል 50፡ መርሃዊ ቅዱስ ድማ መበል 55 ተርታ ሒዞም።

ኣብ’ዚ ንልዕሊ 6 ሰዓታት ዝቐጸለ ውድድር፡ ኤኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓዝ - ቀዳማይ፡ ቤልጁማዊ ዎት ቫንኣርት - 2ይ፡ ስሎቬንያዊ ታጅ ፖጋሳር ድማ - 3ይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ተሸለምቲ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን ሜዳልያታት ‘ኦሎምፖክስ ቶክዮ 2020’ ኰይኖም።

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ ሰሌዳ ውድድር፡ ናይ መጀመርያ ጸላም ኣፍሪቃዊት ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ዝኾነት ኤርትራዊት ሞሳና ደበሳይ፡ ዝመጽእ ሰኑይ 26 ሓምለ 137 ኪሎ-ሜተር ኣብ ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር ክትሳተፍ’ያ።

ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ‘ውድድራት ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020’፡ ኤርትራ ኣብ ውድድራት ኣትለቲክስ፡ ቅድድም ብሽክለታን ምሕንባስን፡ ብድምር ብ13 ስፖርተኛታት’ያ ክትሳተፍ።