ኤርትራ ናጽነት ድሕሪ ምርካባ፡ ኣብ መንጎ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ብድምር ሽዱሽተ ግዜ ገጢመን ኣለዋ። ካብዚ ሓሙሽተ ግጥማት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሰለስተ ግዜ ክትዕወት እንከላ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ድማ ሓንሳብ ተዓዊታ። ክልተ ድማ ማዕረ ተፈላልየን። ኣብ ፈለማ 1990ታት ኣብ ዝገበርኦ ቀዳማይ ጸወታ ኤርትራ ንኢትዮጵያ 2-0 ስዒራታ። ኣብ ካልኣይ ግጥመን ድማ ኢትዮጵያን ኤርትራን ማዕረ ተፈላልየን ናብ ፍጹም ቅላሕ ምስ ኣምርሓ ኢትዮጵያ ተዓዊታ። ኣብ 1996 ከኣ ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ 0-0 ተፈላልየን። ኣብ 1998 ምስ ምጅማር ወራር ወያነ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ግብጺ ውድድር ተሰሪዑ ኤርትራ ብፎርፌ 2-0 ስዒራ ሓሊፋ። ኣብዚ ሎሚ ቕነ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ክልተ ግጥማት ድማ ሓንሳብ ማዕረ ኪፈላለያ ከለዋ ሎሚ ንጉሆ ድማ ኤርትራ ብፍጹም ቅላዕ ተዓዊታ።